11 እቲ ቕንዕና ብዘይብሉ፥ ሃብቲ ዝእክብ፥ ከምታ ንዘይ ጫጭሐቶ ጫቚት እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፤ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ሃብቱ ይሓድጎ፤ ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን።
ንሱ ኽበልዕ እንተሎ ዝኾነ እኳ ኣየትርፍን ነበረ፤ ስለዙይ ሃብቱ ኣይቐውምን።
እዛ መንገዳቶም መዐንቀፊቶም እያ፤ እቶም ብድሕሪኦም ዝመፁውን ብኣፎም ይድግፍዎ።
ንስኻ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ናብ ጕድጓድ ሞት ተውርዶም ኢኻ፤ ናይ ደም ሰባትን ጠበርትን ፍርቂ ዕድመኣቶም ኣይነብሩሉን፤ ኣነ ግና ኣባኻ እእመን ኣለኹ።
ብኸንቱ ዝተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፤ ብፃዕሪ ዝተረኽበ ገንዘብ ግና እናበዝሐ ይኸይድ።
ረብሓ ንምርካብ ዝሃርፍ ንቤቱ ይህውኻ፤ እቲ ጉቦ ዘይቕበል ግና ብህይወት ይነብር።
ብሓሳዊ መልሓስ ዝተኣከበ ሃብቲ፥ ከም ግመ በኒኑ ይጠፍእ፤ ነዙይ ዝደልዩ፥ ንሞት ይደልዩ።
ሃብቲ፥ ናብ ሰማይ ከም ዝበርር ንስሪ፥ ንባዕሉ ኽንፊ የውፅእ እዩሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓይንኻ እንተውደቕካሉ ይጠፍእ።
ኣእምሮ ዘይብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፤ ግፍዒ ዝፀልእ ግና ንብዙሕ ዘመን ይነብር።
ቅኑዕ ሰብ የመና ይባረኽ፤ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዝህወኽ ግና፥ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።
መንቀኛ ሰብ ክህብትም ይሃፅፅ፤ ድኽነት ከም ዝመፆ ግና ኣይፈልጥን።
እቲ ብሃረፃን ብዘይግባእ ረብሓን ሃብቲ ዘብዝሕ፥ ነቲ ንድኻታት ዝርህርሀሎም ሰብ ይእክበሉ።
እቲ ብግፍዒ ቤቱ፥ ብዓመፅ ድማ ሰገነቱ ዝሰርሐ፥ ንወገኑውን ብዘይ ዋጋ ዘስርሕ፥ ደመወዝውን ዘይኸፍሎም፥ ወይለኡ።
ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ።
ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ።
“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ነንስቲ ህዝበይ ካብ ዝፈትዋኦ ኣባይተን ሰጐጕኩምወን፤ ካብ ደቀን ክብረይ ንዘለኣለም ወሰድኩም።
ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን።
በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ።
ኣነ ኸውፅኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ኣነ ነዝ መርገም እዙይ ክሰዶ እየ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን፥ ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሰት ዝምሕልን ክኣቱ እዩ። ኣብ ቤቱውን ክነብር እዩ፤ ንእኡን ቤቱን ዕንፀይቱን እምኑን ከዓ ኸጥፍኦ እዩ።”
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!
እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።
እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና፥ ብዘጥፍእን ብዘበላሹን፥ ንሰባትውን ብዘጥልቕን፥ ብዘስንፍን፥ ብዝጐድእን፥ ኣብ መፃወድያ ትምኒትን ፈተናን ይወድቁ።
ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።
ዝሙት ዝመልኣ፥ ካብ ሓጢኣት ከዓ ዘየቋርፃ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይፀንዓ ነፍሳት፥ ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።