1 “ሓጢኣት ይሁዳ፥ ብብርዒ ሓፂንን ብዝበልሐ ጫፍ ኣልማዝን ተፅሒፉ እዩ፤ ኣብ ፅላት ልቦምን ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢታቶምን ተቐሪፁ እዩ።
ሕያዋይነትን ሓቅነትን ካባኻ ኣይፈለያ፤ ኣብ ክሳድካ ድማ እሰረን፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፈን።
ኣብ ኣፃብዕትኻ እሰሮ፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፎ።
እንሆ፥ ኣብ ከብዲ ኢደይ ቀሪፀኪ ኣለኹ፤ ቅፅርታትኪ ድማ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዮም።
ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ።
ብሽብጢ እኳ እንተ ተሓፀብኪ፥ ብዙሕ ሳሙናውን እንተ ተጠቐምኪ፥ ኣብ ቅድመይ ብሓጢኣትኪ ረኺስኪ ኣለኺ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕፀቢ። ክሳዕ መኣዝ ኢዩኸ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ውሽጥኺ ዝነብር?
ኣብ ገለዓድ ሓጢኣት ኣሎ፤ ብርግፅውን ከንቱ እዮም፤ ኣብ ጌልገላ ዝራብዓት ይስውኡ፤ እቶም መሰውኢታቶም ድማ፥ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝተዀመረ ኣእማን ክኾኑ እዮም።”
ኣነ ንዅሉ ኽፍኣቶም ከም ዝዝክሮ ንሳቶም፥ ብልቦም ኣይሓስቡን እዮም። ግና ሓጢኣቶም ከቢብዎም፥ ኵልሻዕ ድማ ኣብ ቅድመይ እዩ።
“ኤፍሬም ሓጢኣት ንምስራሕ ኢሉ ብዙሕ መሰውኢታት እንተ ሰርሐ እኳ፥ እቲ መሰውኢታት ንሓጢኣት ኮኖ።
እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ደም እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝሕረድ ጤል በፃብዕቱ ይውሰድ፤ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ኣቕርንቲ መሰውኢ ይልከዮ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ፥ ብቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ብመንፈሱ ዝለኣኾ ሕጉን ቃሉን ከይሰምዑ፥ ልቦም ከም ኣልማዝ ኣትረሩ፤ ስለዙይ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዓብዪ ቝጥዓ መፀ።
ንስኻትኩም፥ ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት፥ ብኣናውን ዝበፅሐት፥ ብቐለም ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈት፥ ኣብ ፅላት እምኒ ዘይኮነ፥ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርፀት መልእኽቲ ምዃንኩም፥ ግሁድ እዩ።