9 ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ካብዝ ስፍራ እዙይ ከወግድ እየ።
ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፤ ደናግሎምውን ኣይሓዘናን።
ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ።
እታ ሃገር እቲኣ ኽትባድም እያ፤ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን፥ ድምፂ መርዓትን ድምፂ መርዓውን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፥ ኣነ እየ ዝዛረብ፤ እቲ ቓል ከዓ ኽፍፀም እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ፤ ኣቱም ዓማፂ ቤት ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፥ እገብሮውን ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ንድምፂ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ቓና መሰንቆታትኪ ኣይስማዕን እዩ።
ንዅሉ ሓጐሳን በዓላታን፥ ንዅሉ ሰርቀ ወርሓን ሰናብታን፥ ዝተቀደሱ ኣኼባታታን፥ ከትርፍ እየ።