8 “ምስኣቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ናብ ድግስ ዝገብሩላ ቦታ ኣይትእቶ።
ከንቱ ኣብ ዝኾነ ባይቶ ኣይተቐመጥኩን፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይኣተኹን።
ኣብ ባይቶ መላገፅቲ ኣይተቐመጥኩን፤ ባህውን ኣይበለንን። ብቝጥዓ መሊእኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ቅድሚ ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ።
ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጊዜ፥ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ክበልዑን ክሰትዩን፥ ከውስቡን ክዋሰቡን ዝፀንሑ እሞ፥
ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ኣመንቲ ኢና ኻብ ዝብሉ ግና፥ ዘመውቲ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ሰኸርቲ፥ ወይ ከተርቲ ምስ ዝኾኑ ሰባት ከይትሕወሱ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባትውን፥ ከቶ ኸይትበልዑ ኢለ እየ እምበር፤
ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤