Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 16:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ከፀናንዕዎም ኢሎም እንጀራ ሓዘን ኣይቘርሱሎምን እዮም። ኣቦታቶምን እኖታቶምን ንዝሞትዎም ከፀናንዑ ኢሎም መፀናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይህሉን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 16:7
8 Referencias Cruzadas  

ኵሎም ኣሕዋቱን ኵላተን ኣሓቱን ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ፈተውቱን ድማ፥ ናብኡ መፂኦም፥ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጀራ በልዑ። ስለ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ መከራታት ድማ ሓዘኑሉ፤ ኣፀናንዕዎውን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ቕርሺ ብሩርን ቀለበት ወርቅን ሃብዎ።


መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን።


ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።


ጤት። ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፤ መወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን፤ ስለዙይ ውርደታ ዘገርም ኮነ፤ ዘፀናንዓውን የለን፤ ፀላኢ ልዕልና ረኺቡ እዩ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ መከራይ ረአ።


ስቕ ኢልካ እህህ በል፤ ንምዉታት ከም ዝልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፤ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፤ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፤ ከናፍርካ ኣይትሸፍን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትብላዕ።”


ንእግዚኣብሄር ቍርባን ወይኒ ኣየፍሰሱን፤ መስዋእቶምውን ኣየሐጕሶን። ንኣኣቶም እንጀራ ሓዘን ክኾኖም እዩ። ካብኡ ዝበልዕውን ክረክስ እዩ። እንጀራኣቶምውን ንርእሶም ደኣ ይኾን እምበር ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን።


ብጊዜ ሓዘንና ኻብኡ ኣይበላዕናን፤ ዘይንፁሃት እንተለና ኸዓ ኻብኡ ኣየውፃእናን፤ ምእንቲ ምዉትውን ካብኡ ኣይሃብናን፤ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሰሚዕና ኣለና፤ ብዅሉ ነገር ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝካና ገበርና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos