6 ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊኣቶም ኣተስኦ። ንሱ ነጓብዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተሎም፤ ንመናእሰይን ንደናግልን ንዓበይትን ንኣረጋውያንን ኣይራህርሀሎምን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ኣሕሊፉ ሃቦም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።
ከምቲ ኣብ ህዝቢ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ካህኑ፥ ከምቲ ኣብ ኣገልጋሊ ዝኸውን ከምኡ ኣብ ጐይታኡ፥ ከምቲ ኣብ ግዝእቲ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ እምበይተኣ፥ ከምቲ ኣብ ዓዳጊኡ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ሸያጢኡ፥ ከምቲ ኣብ ተለቃሒ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ መለቅሒኡ ክኸውን እዩ።
ሽዑ ንስኻ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ምለሰሎም፦ “እንሆ፥ ንዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ፥ ብስኽራን ክመልኦም እየ።
ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።
ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ።
በራሕነት ኣብ ልዕሊ ጋዛ መፀ፤ ኣስቀሎና ጠፍአት፤ ኣቱም ተረፍ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሰብነትኩም እትፅሕብሩ?
ስለዙይ ርእሲ ዅሉ ተላፅዩ፥ ኵሉ ጭሕሚ ተቘሪፁ፥ ኵላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፤ ኣብ ሕቘታት ድማ ኸሊ ኣሎ።
“እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘቘጠዖ ትውልዲ፥ ደርቢይዎን ኣወጊድዎን እዩ እሞ፥ ኢየሩሳሌም፥ ፀጕሪ ርእስኺ ቘሪፅኪ ደርብዪ፤ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪውን፥ ዋይ ዋይ እናበልኪ ብኸዪ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።
ፀጕሪ ርእስኻ ዙርያኡ ኣይተሕፅር፤ ፅሕምኻ እውን ዙርያኡ ኣይትቝረፅ።
ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ክእዝዝ እዩ እሞ፥ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፥ እታ ንእሽተይ ቤት ከዓ ምእንቲ ኽትደቅቕ ክውቅዓ እየ።
ኢየሱስ ኣብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ በፅሐ፥ ነፋሕቲ መለኸት ሓዘንን ዋይ ዋይ ዝብሉ ህዝብን ምስ ረአየ፤
“ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፥ ብሓዘን ሰብነትኩም ኣይትፃሕብሩ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ።
ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።
ነገስታት ምድርን፥ መሳፍንትን፥ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ሃብታማትን፥ ሓያላትን፥ ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን፥ ኣብ ውሽጢ በዓትታትን፥ ኣብ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ።