Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 16:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ሰላመይን ፍቕረይን ምሕረተይን ካብዝ ህዝቢ እዙይ ኣርሒቐ ኣለኹ እሞ፥ ብኽያት ናብ ዘለዋ ቤት ኣይትእቶ፤ ክትበክን ክትሓዝንን ድማ ኣይትኺድ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 16:5
13 Referencias Cruzadas  

ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካን ሕያዋይነትካን፥ ካብ ጥንቲ እየንሞ ዘክረን።


ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።


ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘለዉ፥ ዑና ዀረብታታት ዘረፍቲ ተዋፈሩ፤ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ወሰን፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይበልዕ ኣሎሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን።


ሽዑ ሰብ ምስ ሰብ፥ ነቦታት ምስ ውሉድ ከላትሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር ንሓደ እኳ ኣይሓዝነሉን፤ ኣይርህርህን፤ ኣይምሕርንውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ኣነ፥ ካብዝ ሃገር እዙይ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይምሕረኩምን እየ። ኣብኡውን ለይትን ቀትርን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉ ኢኹም።”


ንነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሓቕካ፤ ነቲ ሰናይ ረሳዕኽዎ።


ቅድሚ እተን ኣዋርሕ እቲኣተን ንሰብን፥ ንእንስሳን ዋጋ ውዕሎ ኣይነበሮን፤ ኣነ ድማ ንዅሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ኣተሲአ ነይረ እየሞ፥ ካብ ኣጨናቒ ዝተልዓለ ንዝኣቱን ንዝወፅእን ሰላም ኣይነበረን።


በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።


ካልእ ቀይሕ ፈረስ ድማ ወፀ፤ ነቲ ዝተቐመጦውን፥ ሰባት ንስንሳቶም ንኽቃተሉ፥ ካብ ምድሪ ሰላም ከጥፍእ ስልጣን ተውሃቦ። ዓብዪ ሰይፊ እውን ተውሃቦ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos