20 ሰብዶ ኣማልኽቲ ንዘይኮኑ፥ ኣማልኽቲ ንባዕሉ ይገብር እዩ?”
ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕንፀይትን ካብ እምንን ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ እዮም እምበር፥ ኣማልኽትስ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ድማ ኣጥፍእዎም።
ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርፋድን ኣበይ ኣለዉ? ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለዉ? ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣድሒኖምዋ እዮም?
ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ስራሕ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን እዮም እምበር፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ኣጥፍእዎም።
“ናይ ብሓቂ ደኣ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን እምበር፥ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ? ህዝበይ ግና ንኽብሮም፥ ከንቱ ብዝኾነ ለወጡ።”
“ከመይ ኢለ ይቕረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፤ ኣማልኽቲ ብዘይኮኑ ኸዓ ይምሕሉ ኣለዉ፤ ኣፅገብክዎም፤ ንሳቶም ድማ ዘመዉ፤ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።
ንጉስ ናቡከደነፆር ስሳ እመት ዝቑመቱ፥ ሽዱሽተ እመት ዝጐድኑ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣስርሐ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎንውን ኣቖሞ።
ከም እትሪኡዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ እዝ ጳውሎስ ‘እዞም ብኢድ ሰብ ዝስርሑስ፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን’ እናበለ፥ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ፥ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝሓበለን ከም ዘስሓተን፥ ትሪኡን ትሰምዑን ኣለኹም።
ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ መልኣኽ፥ ካብቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝተፈልየ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።
ቀደም ንእግዚኣብሄር ከይፈለጥኩምዎ እንተለኹም፥ ነቶም ብባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ፥ ብባርነት ትግዝኡ ነበርኩም።