16 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ሓያል ሃዳናይ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ናምሩድ ሓያል ሃዳናይ ይግበርካ” ዝበሃል።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።
ንሳቶም ድማ ኽመፁ እሞ፥ ኵላቶም ኣብ ኵሉ ፅምዊ ሽንጥሮን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን፥ ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጥን፥ ኣብ ኵሉ ጐዳጕዲ ማይን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መውፈሪን፥ ክሰፍሩ እዮም።
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
ካብ ድምፂ ፈረሰኛታትን፥ ወርወርቲ ፍላፃታትን ዝተልዓለ፥ ኵሉ ኸተማታት ይሃድም፤ ገሊኣቶም ናብ ዕሙር ዱር ክኣትዉ፥ ገሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ኣኻውሕ ክድይቡ እዮም። ኵለን ከተማታት ክሕደጋ እየን፤ ኣብኣተን ዝነብር ሰብ እውን ኣይርከብን።
እንሆ፥ ካብ ኵሉ ኸባቢኺ ፍርሓት ክሰደልኪ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ነቶም ዝሃደሙ ድማ ዝእክቦም የለን። ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ኸድሕን ክሃድም እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብ ወይኑ ኸም ዝቕርም ከምኡ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎም እዮም፤ ከምቲ ኣራዪ ዘቢብ ኣብ ሃረግ ዝገብሮ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።”
ዳዴ። ሰባት እግሪ እግርና ይከታተሉና ስለ ዝነበሩ፥ ብመንገድና ኽንከይድ ኣይከኣልናን፤ መወዳእታና ቐሪቡ፥ መዓልቲታትና ኣኺሉ እዩ፤ መወዳእታና በፂሑ እዩ።
ቆፍ። ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይቕልጥፉ፤ ኣብ እምባታት ሃደኑና፤ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣድበዩልና።
ብዝደለኽዎ ጊዜ ኽቐፅዖም እየ፤ ስለ ኽልቲኣቶም ሓጢኣታ ምስ ተኣሰሩ፥ ኣህዛብ ክኸብዎም እዮም።
ጐይታ እግዚኣብሄር ንኣኻትክን ብመሳርሒ ውግእ፥ ተረፋትክንውን ብመቝለብ እትሰሓባለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ኢሉ፥ ብቕድስናኡ መሓለ።
ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።
ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።
“በቲ ዘመን እቱይ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽምርምራ እየ፤ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን፥ ብልቦም፥ ‘እግዚኣብሄርስ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይገብርን እዩ’ ንዝብሉ ሰባት ክቐፅዖም እየ።
ኣቦይ፥ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ረአ። ጫፍ ክዳንካ ኽቘርፅ እንተለኹ፥ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ተረዳእን ፍለጥን። ንስኻ እኳ ኽትቀትለኒ እንተ ደለኻ፥ ኣነ ግና ኸም ዘይበደልኩኻ ርኢኻ ፍለጥ።
ሕዚ ኸዓ ሰብ ንቖቓሕ ኣብ እምባታት ከም ዝሃድን፥ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቑንጪ ኽትደሊ ወፂእኻ ኢኻ እሞ፥ ደመይ ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ኣይፍሰስ” በሎ።