12 ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።
ሓጥእ ሚእቲ ጊዜ እኳ ኽፍኣት እንተ ገበረ፥ መዋዕሉውን እንተ ነውሐ፥ ኣነስ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሓት ዝነብሩ፥ ሰናይ ከም ዝኾነሎም ብርግፅ እፈልጥ እየ።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።
እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።
“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?
ንሳቶም ግና ‘ጨኪንና ኢና፤ ሓሳብና ተኸቲልና ኽንከይድ ኢና፤ ነፍሲ ወከፍና ድማ ኸምቲ ትረት ሕሱም ልብና ኽንነብር ኢና’ በሉ።”
“ብሓቂዶ እዝ ሰብ እዙይ ኢኮንያን፥ ዝተንዓቐን ዝተሰበረን ሻኽላ እዩ? ዝኾነ ዘይድለ ኣቕሓዶ እዩ? ንምንታይ ደኣ ንሱን ደቁን ተደርበዩ? ናብ ዘይፈልጥዎ ምድሪኸ፥ ንምንታይ ተወርወሩ?” በልኩ።
“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።
ግና ኽሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖምውን ናባይ ፅን ኣይበላን፤ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዝገድድ ድማ ገበሩ።
እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።
ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፤ ሕዚ ግና የለዉን፤ ንሕና ድማ በደሎም ንፀውር ኣለና።
ስለዙይ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ ንስኻትኩም ከም መንገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፤ ነቲ ዘፀይፍ ነገሮም እናሰዓብኩም ዘሞኹም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚሩ፥ ካብ ትእዛዛተይ ድሕር ኢልኩም ኢኹም፤ ኣይሓለኹምዎንውን፤ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ኢና እንምለስ ትብሉ ኣለኹም።
ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥
“ንቓል እዝ መርገም እዙይ ሰሚዑ፥ ብልቡ ‘ኣነስ ብትሪ ልበይ ከም ድሌተይ ክኸይድ እየ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ሰናይ ክኾነለይ እዩ’ ዝብል ሓደ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እዝ ሰብ እዙይ ንዅልኻትኩም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ናይ ጥፍኣት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንኣገልገልትኻ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዘክር። ናይ እዝ ህዝቢ እዙይ ህልኽን ክፍኣትን ሓጢኣትን ኣይትመልከት።
እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና፥ እናኣስሓቱን እናሰሓቱን፥ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበፅሑ እዮም።
ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።
እቲ መራሒ ምስ ሞተ ግና፥ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣኣቶምውን ብምምላኾምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ በደሉ፤ ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መንገዶምን ኣይተመለሱን።
ዓመፅ፥ ከም ሓጢኣት ጥንቍልና፥ ህልኽ ከዓ፥ ከም ምምላኽ ጣዖትን ተራፊምን እዩ። ንስኻ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንጉስ ከይትኸውን ነዓቐካ”