Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 16:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 “እዝ ዅሉ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ እትናገረሉ እዋን፥ ንሳቶም ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ዓብዪ ነገር ዝናገረና ዘሎ? እንታይ እዩ በደልና? እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ?’ እንተ በሉኻ

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 16:10
11 Referencias Cruzadas  

ቤት እስራኤልን ቤት ያእቆብን፥ ንጣዖት ብምዕጣን ብዝገብርዎ ኽፍኣት ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ንኣኺ ዝተኸለ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክፋእ ነገር ተናገረልኪ።


ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።


ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤ ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን” ትብሊ ዘለኺ? ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤ ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤ ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥ እትፋንን ግመል ኮንኪ።


‘ኣነ ንፅህቲ እየ፤ ብርግፅ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ ‘ሓጢኣት የብለይን’ ስለ ዝበልኪ፥ ብፍርዲ ክኸሰኪ እየ።


እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ።


‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ምንታይ እዩ እዝ ዅሉ ዝገበረና?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንስኻ ‘ከምቲ ንስኻትኩም ንኣይ ዝሓደግኩምኒ እሞ፥ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ዝተገዛእኹም፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይሃገርኩም፥ ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”


እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።


“ኤፍሬም ኣነ ሃብታም ኮንኩ፤ ንብረትውን ኣጥሪየለኹ። ኣብ ኵሉ ፃዕረይ፥ ሓጢኣት ዝኸውን በደል ኣይርከበንን” በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos