9 እኖ ሸውዓተ ደኸመት፤ ነፍሳውን ተሃወኸት፤ ቀትሪ እናሃለወ ፀሓይ ዓሪባታ እያሞ፥ ንሳ ሓፈረት፥ ተዋረደትውን፤ ነቶም ዝተረፉውን፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ንሰይፊ ኸወፍዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስእነት ውሉድን፥ መበለት ምዃንን፥ ክልቲአን ብሓንቲ መዓልቲ፥ ድንገት ክመፃኺ እየን። ኣስማትኪ እንተ በዝሐ፥ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ እኳ፥ ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።”
ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንምኽሪ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ንሬሳኣቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ምግቢ ክኾኖም ክህቦ እየ።
ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እንሆ፥ ኣነ ንድሕነት ዘይኮነ ንኽፍኣት እተግሀሎም ኣለኹ። ኵላቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩ ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝሃልቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ፈፂሞም ክውድኡ እዮም።
እኖኹም የመና ኽትሓፍር፥ ወላዲትኩምውን ክትዋረድ እያ፤ ካብ ኵሉ መንግስታት ዝሓመቐት ክትከውን እያ፤ በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ።
“ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፤ ተስኡ ቐትሪ እንተሎ ንውፃእ፥ ምድሪ መስዩ እዩ፤ ፅላሎት ምሸት ከዓ ነዊሑ እዩሞ ወይለና።
ንኣይ ከቘጥዑ ድዮም? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንገፆምስ ሕፍረትዶ ኣይኮነን?
ኣሌፍ። እዛ ብህዝቢ መሊኣ ዝነበረት ከተማ፥ ከመይ ኢላ ሰብ ዘይብላ ተረፈት! እዛ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት፥ ሕዚ ኸመይ ኢላ መበለት ኮነት! እዛ ኣብ ማእኸል ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረት፥ ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት?
ዮድ። ርህሩሃት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፤ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።
ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
“ቍጥዓይ ሕነኡ ኽወፅእ፥ ቍጥዓይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክዝሕል እዩ፤ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ቍጥዓይ ኣብኣቶም ምስ ኣዝሓልኩ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብቕንኣተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም።
እቶም ፅጉባት ዝነበሩ ጠመዩ፤ እቶም ጥሙያት ዝነበሩ ድማ ፀገቡ፤ እታ መኻን ሸውዓተ ወለደት፤ እታ ብዙሕ ዝወለደት ግና ደኸመት።