4 ብሰንኪ እቲ ዅሉ ምናሴ፥ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥ ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”
ምናሴ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሔፍሴባ ትበሃል ነበረት።
እዙይ ከዓ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፥ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዘቘጥዑንን እዩ።”
ንሱ ኸዓ፥ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ገፅ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምግባር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለ።
ምናሴ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ።
ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ግብሪ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምፍፃሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሰጎም፥ ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ኸዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣነ ናብኣቶም ዝሰጐጕክዎም ህዝብታት ድማ፥ ንመራገምን ንመገረምን ንመላገፅን ንመፃረፍን ክኾኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣብ ማእኸል እቶም ንሳቶም ኮኑ ኣቦታቶም ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ሰይፊ ደድሕሪኣቶም ክሰደሎም እየ።”
ሔት። ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገይራ እያ፤ ስለዙይውን ረኸሰት፤ እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዅሎም ዕርቃና ሪኦም ነዓቕዋ፤ ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት።
“ንስኻትኩም ግና ‘ስለ ምንታይ እዩ፥ እቲ ወሉድስ ሓጢኣት ኣቦኡ ዘይፀውር?’ ትብሉ ኣለኹም፤ እቲ ውሉድ ቅንዕናን ፅድቅን ገይሩ፥ ንዅሉ ሕግጋተይ ሓልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፥ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጉባኤ ህዝቢ ኸውፅአለን እየ እሞ፥ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ።
ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን።
“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።
“እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም።