20 ነዝ ህዝቢ እዙይ ፅኑዕ ቅፅሪ ነሃስ ክገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም።
ድሕነት ፃድቃን ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ኣብ እዋን ፀገሞምውን መፀግዒኦም ንሱ እዩ።
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብ መፀግዒና እዩ።
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብውን መፀግዒና እዩ።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።
ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣቲ ወላዲተይ፥ ንዅሉ ምድሪ ናይ ጐይቊን ክርክርን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺሞ ወይለይ! ንዝኾነ ኣየለቃሕኹን፥ ካብ ዝኾነውን ኣይተለቃሕኹን፤ ግና ዅሉ ሰብ ይረግመኒ ኣሎ።
ሽዑ ኣነ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ትፈልጥ፤ ዘክረንን ኣድሕነንን፤ ነቶም ዘሳጕጉኒውን ተበቀሎም፤ ኣይትተዓገሶም።
ኽሳዕ እታ ኢየሩሳሌም ዝተትሓዘትላ መዓልቲ ድማ ኤርሚያስ ኣብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ድማ ንናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት “ንኤርሚያስ፥ ውሰዶ እሞ ብፅቡቕ ዓይኒ ረአዮ፤ ከምቲ ዝብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይተብፅሐሉ” ዝብል ትእዛዝ ለኣኸሉ።
ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩም ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ንንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርሕዎ፤ እወ፥ ኣይትፍርሕዎ፥ ይብል እግዚኣብሄር።
መንገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምሮምን ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፈታኒ ገይረ ኣቖምኩኻ።
እንሆ፥ ንገፅካ ኣንፃር ገፆም፥ ንግምባርካውን ኣንፃር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ።
ንግምባርካ ኣልማዝ፥ ካብ ብላድ እምኒ ኸም ዝብርትዕ ገይረዮ እየ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ኣይትፍርሓዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ኣይትደንግፅ።”
ኦ ንጉስ፥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸድሕነና ይኽእል እዩ፤ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ።
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስካ ይኹን። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።