Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 15:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 15:18
15 Referencias Cruzadas  

“ማይ ካብ ውሽጢ ባሕሪ ይሃልቕ፤ ሩባውን ይንእስን ይደርቕን፤


ቅኑዕ እንተለኹ ኸም ሓሳዊ ተቘፀርኩ፤ ዝኾነ እንተይበደልኩ፥ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ ተብሂሉ ኣሎ።


ነፍሰይውን የመና ተሃዊኻ እያ፤ ኦ ጐይታ፥ ንስኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?


ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ፈፂምካዶ፥ ንይሁዳ ደርቢኻያ ኢኻ? ነፍስኻኸ ንፅዮንዶ ፀሊኣታ እያ? ስለ ምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕኻና? ሰላም ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ።


እቶም ዓበይቲ ነቶም ኣናእሽቱ፥ ማይ ከምፅኡ ለኣኽዎም፤ ንሳቶምውን ናብ ጕድጓድ መፁ፤ ግና ማይ ኣይረኸቡን፤ ማይ ዘይብሉ ዓታሩ ኸዓ ሒዞም ተመለሱ። ስለ ዝሓፈሩን ስለ ዝሓነኹን ከዓ፥ ርእሶም ተጐልበቡ።


ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፥ ዘመነይውን ብሕፍረት ክውድእኸ፥ ስለ ምንታይ ካብ ማህፀን ወፃእኹ?


ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣታለልካኒ፤ ኣነውን ተታለልኩ፤ ንስኻ ኻባይ በርታዕኻ፥ ኣሸነፍካኒውን፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂ ኾንኩ፤ ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስብራትካ ዘይፅገን፥ ቍስልኻውን ብርቱዕ እዩ።


ፈውሲ ንዘይርከቦ ሕማምካ፥ ብዛዕባ ቝስልኻ ንምንታይ እተእዊ? ብበደልካን ብበዝሒ ሓጢኣትካን እየ ዝቐፃዕኹኻ።


ስለዙይ ንሞሬሼትጌት ውህብቶ ኽትወሃቢ ኢኺ፤ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል መጠበሪ ክኾኑ እዮም።


ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos