14 ካብ ቍጥዓይ ዝተልዓለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ኽትነድድ እያ፤ ምስ ፀላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ።
ምስ ተቘጣዕኻ ድማ ኸም ሓዊ እቶን ግበሮም፤ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኸጥፍኦም እዩ፤ ሓዊ ድማ ኽበልዖም እዩ።
ስለዙይ ቍጥዓ መዓቱን፥ ብርቱዕ ውግእን ኣፍሰሰሉ፤ ኣብ ዙርያኡ ኣንደዶ፥ ንሱ ግና ኣይፈለጠን፤ ኣቃፀሎ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።
ናብ ሜዳ እንተ ወፃእኹ፥ እንሆ፥ ብሰይፊ ዝሞቱ ሰባት እርኢ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እንሆ፥ ብጥሜት ዝቓህመሙ ኣለዉ፤ ነቢይን ካህንንውን፥ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።”
ብሰንኪ እቲ ዅሉ ምናሴ፥ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥ ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”
ኣነ፥ ካብዝ ሃገር እዙይ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይምሕረኩምን እየ። ኣብኡውን ለይትን ቀትርን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉ ኢኹም።”
ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”
ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ፥ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኮይኑ ሃልሃል ከይብልስ፥ ንእግዚኣብሄር ተገረዙ፤ ናይ ልብኹም ሸለፈትውን ኣወግዱ።”
ንጉስ ባቢሎን ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ሃማት ዘላ ኸተማ ሪብላ ወቒዑ ቐተሎም። በዝ ኸምዙይ ከዓ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።
ስለዙይ ንኽንየው ደማስቆ ኸም እትማረኹ ኽገብረኩም እየ” ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር።
“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።
“እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም እተንግስዎ ንጉስኩምን፥ ቅድሚ ሕዚ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽሰደኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንዕንፀይትን ንእምንን፥ ክተምልኹ ኢኹም።
“እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም።
ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ።
ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤ ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤ መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”
ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ እሞ።