12 ብሓቂ ንሓፂን፥ ነቲ ኻብ ሰሜን ዝመፀ ሓፂንን፥ ንነሃስውን ዝሰብር ኣሎዶ?
ከም ቅልፅም እግዚኣብሄር ዝበለ ቕልፅምዶ ኣለካ እዩ? ከም ድምፁ ጌርካዶ ኸተንጐድጕድ ትኽእል ኢኻ?
እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤ ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤ ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥ “እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ? ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?
ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣብ እንስሳ በረኻ እኳ ስልጣን ሂበዮ ኣለኹ፤ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድ ኵሎም ህዝብታት ኣእትየ ኣለኹ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
ብወገን ሰሜን ወሰንኩም ከምዙይ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ እምባ ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ።