11 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብሓቂ ንፅቡቕ ክሕልወካ እየ፤ ብጊዜ ጭንቅን መከራንውን ፀላእትኻ ኸም ዝልምኑኻ ኽገብር እየ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎምውን፥ ሞገስ ሃቦም።
በታ ዝፀዋዕኩኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ፤ ንነፍሰይውን ብሓይልኻ ብብዙሕ ኣፅናዕኻያ።
ሰብ በካይዳኡ ንእግዚኣብሄር እንተ አሐጒስዎ፤ ኣብ ማእኸሉን ኣብ ማኸል ፀላእቱን ሰላም ይገብር።
ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።
ሓጥእ ሚእቲ ጊዜ እኳ ኽፍኣት እንተ ገበረ፥ መዋዕሉውን እንተ ነውሐ፥ ኣነስ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሓት ዝነብሩ፥ ሰናይ ከም ዝኾነሎም ብርግፅ እፈልጥ እየ።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ ንዮካል ወዲ ሰለምያን፥ ንሶፎንያስ ወዲ መእሴያ እቲ ኻህንን፥ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀሊ ኢሉ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ለኣኸ።
ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ናብ ኤርሚያስ ልኢኹ፥ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኣምፅኦ። “ሓንቲ ነገር ዝጥይቐካ ኣላትኒ እሞ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብአለይ” በሎ።
ንነቢይ ኤርሚያስውን፦ “ካብ ብዙሓት፥ ውሑዳት ከም ዝተረፍና ትሪአና ኣለኻሞ፥ በይዛኻ ልመናና ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ። ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥