9 ስለ ምንታይከ ኸምቲ ቀባሕባሕ እናበለ፥ ከናግፍ ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ኦ እግዚኣብሄር ንስኻ፥ ብርግፅ ኣብ ማእኸልና ኣለኻ፤ ንሕና ብስምካ ተፀዊዕና ኢና እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።
እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ከዓ ርእሶም ኣዋሪዶም እንተ ለመኑ፥ ገፀይውን እንተ ደለዩ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፤ ሓጢኣቶም ከዓ ይቕረ ኽብለሎም፥ ምድሮምውን ክፍውስ እየ።
ኦ ጐይታ፥ ንምንታይ ርሒቕካ ቆምካ? ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል?
ገፅካ ካባይ ኣይትሰውር፤ ተቘጢዕኻ ኻብ ባርያኻ ድሕር ኣይትበል፤ ረዳኢ ኹነኒ፤ ኣይትደርብየኒ፤ ኦ ኣምላኽ መድሓኒተይ ኣይትሕደገኒ።
እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸላ እዩ፥ ኣይትናወፅን፤ እግዚኣብሄር ቀልጢፉ ኽረድኣ እዩ።
ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”
ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።
ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ።
ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይገዛእኻዮም፥ ከምቶም ብስምካ ዘይፅውዑ ዄንና ኣለና።
ቃልካ ምስ ረኸብኩ በላዕኽዎ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፥ ቃልካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኮነኒ።
ምድሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እኳ እንተ መልአት፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም፥ ንህዝቢ እስራኤልን ንህዝቢ ይሁዳን ኣይደርበዮምን።
“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ? ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?” ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። “ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”
ስለ ምንታይ ፈፂምካ እትርስዐና? ስለ ምንታይከ ንነዊሕ ዘመን እትሓድገና?
ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ እንተእዊ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሰምዐኒ? “ግፍዒ በዝሐ” ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ኣየድሓንካን።
‘ኣነ ኣብ ዙርያኣ ቅፅሪ ሓዊ ክኾነላ፤ ኣብ ውሽጣውን ክብሪ ክኸውን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢደይ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓፃር እያ? እቲ ዝብሎ ዝፍፀም እንተ ኾይኑ ወይ ዘይፍፀም እንተ ኾይኑ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
እዙይ ከዓ እቶም ዝተረፉ ሰባትን፥ እቶም ስመይ ኣብኣቶም ዝተፀውዐ ዅሎም ኣህዛብን፥ ንጐይታ ምእንቲ ኽደልዩ ኢለ እየ፤ ይብል ነዙይ ዝገብር ጐይታ።
መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ምእንቲ ኸድሕነኩምን ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ክህበኩምን፥ ብማእኸል ሰፈርኩም ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር ከይሪአልኩም፥ ገፁ ኸዓ ኻባኻትኩም ከይመልስ፥ እቲ ሰፈርኩም ቅዱስ ይኹን።
ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ ብስም እግዚኣብሄር ከም ዝተፀዋዕኹም ሪኦም ክፈርሑኹም እዮም።
እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።
ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ።