8 ተስፋ እስራኤል ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ብጊዜ ጭንቂ እተድሕነናውን ንስኻ ኢኻ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኣብዛ ሃገር፥ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራሕ ዝሓድር፥ ሓላፊ መንገዲ ጋሻ እትኸውን?
ኦ ጐይታ፥ ንምንታይ ርሒቕካ ቆምካ? ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል?
ብማእኸል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፤ ኣብ ልዕሊ ቝጥዓ ፀላእተይ ኢድካ ትዝርግሕ፤ የማነይቲ ኢድካውን ክተድሕነኒ እያ።
ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።
ስለዙይ ምድሪ እንተ ተናወፀት፥ እምባታትውን ናብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ሰጠሙ፥ ማያቱ እንተ ሃመመን እንተ ተናወፀን፥ እምባታትውን ካብ ሓይሉ ዝተልዓለ እንተ ኣንቀጥቀጡ፥ ንሕናስ ኣይንፈርሕን ኢና።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ተስፋይ ኢኻሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መተኣማመኒየይ ኢኻሞ።
እግዚኣብሄር ንድኻታት መፀግዒ ኾኖም፤ ብጊዜ መከራኦምውን ረዳኢኦም እዩ።
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።
“ኣነ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን።
ኣነ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መድሓኒኻ እየ። ንግብፂ ንኣኻ ቤዛ ገይረ፥ ንኢትዮጵያን ሳባን ክንዲ ኽንዳኻ ሃብኩ።”
ኦ መድሓኒ ዝኾንካ ኣምላኽ እስራኤል፥ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።
ይናገሩ፤ ይቕረቡን ብሓባር ይማኸሩን፤ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥንቲ ዘርአየን ዝተናገረን መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”
እግዚኣብሄርውን “ብርግፅ ንሳቶም ህዝበይ፥ ዘይሕስዉ ደቀይ እዮም” በለ እሞ መድሓኒኦም ኮነ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”
ኵሎም ዝረኸብዎም በልዕዎም፤ ፀላእቶም ድማ፦ ንሳቶም ንመሕደሪ ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ ንተስፋ ኣቦታቶም ኣብ እግዚኣብሄር በዲሎም እዮም እሞ፥ ንሕና ኣይበደልናን በሉ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥ ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤ ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤ ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።
ኣቱም ብተስፋ እትነብሩ እሱራት፥ ናብ ዕርድኹም ተመለሱ፤ ሕዚ ኽልተ ዕፅፊ ገይረ፥ ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ።
እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም።
ብትእዛዝ መድሓኒና እግዚኣብሄርን፥ ብተስፋና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ ኻብ ዝኾነ ጳውሎስ፥
ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ ኸዓ ነቲ ሓላፊ መንገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከዓ፥ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ።