Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 14:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 እቶም ዓበይቲ ነቶም ኣናእሽቱ፥ ማይ ከምፅኡ ለኣኽዎም፤ ንሳቶምውን ናብ ጕድጓድ መፁ፤ ግና ማይ ኣይረኸቡን፤ ማይ ዘይብሉ ዓታሩ ኸዓ ሒዞም ተመለሱ። ስለ ዝሓፈሩን ስለ ዝሓነኹን ከዓ፥ ርእሶም ተጐልበቡ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 14:3
23 Referencias Cruzadas  

ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይት ደየበ። ክድይብ እንተሎ ኸዓ ይበኪ ነበረ፤ ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፤ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ።


እቲ ንጉስ ከዓ ገፁ ኸደነ፤ ዓው ኢሉ ድማ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም ወደይ! ወደይ!” ኢሉ በኸየ።


ኣብታ ምድሪ ዝናም ስለ ዘይዘነመ ድማ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እቲ ሩባ ነፀፈ።


“ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይ ውፁ፤ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኻብ ዒላኡ ማይ ይስተ።


መርዶክዮስ ናብ ደገ ንጉስ ተመለሰ፤ ሃማ ግና ጕህዩ ርእሱ ተጐልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ።


ብኣኣቶም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ፥ ሓፈሩ፤ ናብኡ ምስ በፅሑ ሕፍረት ሓዞም።


እቶም ዘፃልኡኒ ሓፍረትን ውርደትን ይከደኑ፤ ንነውሮምውን ከም ነፀላ ይወንዘፍዎ።


እቶም ንነፍሰይ ከጥፍእዋ ዝደልዩ ይሕፈሩ፤ ሓቢሮምውን ይዋረዱ፤ እቶም ክፍኣት ክገብሩ ዝፈትዉ፥ ንድሕሪት ይመለሱን ሓቢሮም ይዋረዱን።


ዝናም ስለ ዘይዘነመ እታ ምድሪ ተጨዳደደት፤ ሓረስቶት ድማ ሓፊሮም ርእሶም ተጐልበቡ።


ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ።


ኢድኪ ኣብ ርእስኺ ጌርኪ ኽትወፂ ኢኺ። ነቶም እትእመንዮም፥ እግዚኣብሄር ደርቢይዎም እዩሞ፥ ብኣኣቶም ኣይቐንዐክን እዩ።”


ግና እግዚኣብሄር፥ ከም ሓያልን ከም ጨካንን ምሳይ እዩ፤ ስለዙይ እቶም ዘሳጕጉኒ፥ ክሰናኸሉ እዮም እምበር ኣየሸንፉንን፤ ፈፂሞም ክዋረዱ እምበር ኣይሰምረሎምን፤ ውርደቶም ድማ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩ።


ብሰንኪ እዙይ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፥ ዝናም ፅብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገፅ ኣመንዝራ ስለ ዘለኪ ምሕፋር ኣበኺ።


ዳሌጥ። ካብ ፅምኢ ማይ ዝተልዓለ፥ መልሓስ ህፃናት ምስ ትንሓጎም ተጣበቐ፤ ቈልዑ እንጀራ ለመኑ፤ ዝህቦም ግና የለን።


እንተ ዘይኮነ ቀሚሻ ቀንጢጠ ኸምታ ዝተወለደትላ መዓልቲ ጥራሓ ኽገብራ እየ፤ ከም ምድረ በዳን፥ ከም ንቑፅ ምድርን ክገብራ፥ ብፅምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ።


ወሓዚ ማያት ነፂፉ፤ ነቲ መጓስዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፥ እንስሳ በረኻውን ናባኻ የእውዩ ኣለዉ።


“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ።


ናይ ክልተ ወይ ናይ ሰለስተ ኸተማታት ሰባት ናብ ሓንቲ ኸተማ ማይ ክሰትዩ ኸዱ፥ ግና ኣይረወዩን፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።


ካብ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ነቲ ንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደዪቦም፥ ዝናም ኣይዘንቦምን እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos