Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 14:22 - መፅሓፍ ቅዱስ

22 ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 14:22
39 Referencias Cruzadas  

ሓደ ኻብቶም ኣብ ገለዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቴስቢያዊ ንኣክኣብ “በዘን ዓመታት፥ እዚኣተን እንትርፊ ብቓል ኣፈይ፥ ኣውሊ ኾነ ዝናም ከም ዘይኸውን፥ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምኩ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ” በሎ።


ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ በታ ሳልሰይቲ ዓመት፥ ንኤልያስ “ኬድካ ንኣክኣብ ተርኣዮ እሞ፥ ኣነ ድማ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ መፀ።


ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸዱላ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፥ ሓጢኣት ባሮትካን ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ዝናም ሃብ።


ንዝናም ስርዓት፥ ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ምስ መደበሉ፥


ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝናም የዝንም፤ ኣብ ልዕሊ ገራሁውን ማይ ይልእኽ።


ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ተስፋ ገበርኩ፤ ነፍሰይ ብሕግኻ ተዓገሰት።


ካብ ወሰን ምድሪ ንደመናት የውፅእ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋሳትውን ካብ መዛግብቱ የውፅኦም።


ንሰማያት ብደመና የጐልብብ፤ ንምድሪ እውን ዝናብ የዳሉ፤ ኣብ እምባታት ድማ ሳዕሪ የብቍል፤ ለምለምውን ንደቂ ሰባት ጥቕሚ ይህብ።


ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣለኹ እሞ፥ ተኣማንነትን ቅንዕናን ይሓልዋኒ።


እቶም ኣባኻ ተስፋ ዝገብሩ፥ ኣይሓፍሩን እዮም፤ እቶም ብኸንቱ ዝተናዀሉ ግና ኽሓፍሩ እዮም።


ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር፤ በርትዕ፤ ልብኻ ይፅናዕ፤ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።


እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።


ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን።


እንሆ ዅላቶም ከንቱ እዮም፤ ተግባሮም ከዓ ብላሽ እዩ፤ እቶም መኺኾም ዝተሰርሑ ጣዖታቶምውን፥ ንፋስን ከንቱን እዮም።”


እግዚኣብሄር ግና ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም ኣቖማ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዝዘርግሐ ንሱ እዩ።


ድምፁ ምስ ኣስምዐ፥ ማያት ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ይእከቡ፤ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፤ ብጊዜ ዝናም መባርቕ ይገብር፤ ንንፋስ እውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።


ከንቱን ክንዓቑ ዘለዎምን እዮም፤ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ኽጠፍኡ እዮም።


ልማድ ኣህዛብ ከንቱ እዩ፤ ኦም ካብ ዱር ይቘርፁ፤ ፀራቢ ኸዓ ብምሳር ይፀርቦ፤


ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።


ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ኢሎም ሓሰት ተናገሩ፦ “እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ዝገበሮ የለን፤ ክፉእ ኣይወርደናን እዩ፤ ውግእን ጥሜትን ኣይንርእን ኢና።


ብልቦም ከዓ፥ በብጊዜኡ ዝናም ፅድያን ቀውዕን ንዝህበና፥ ምዱባት ሰሙናት ቀውዒውን ዝሰርዐልና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሓዮ ኣይበሉን።


ድምፁ እንተስምዕ፥ ኣብ ሰማይ ማያት ይሃምም፤ ንግመ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ንላዕሊ ኽድይብ ይገብሮ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።


ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ እያ፥ ግና ኣይተርክቦምን፤ ክትደልዮም እያ፥ ግና ኣይትረኽቦምን። ሽዑ ንሳ “ካብ ሎሚ ቕድም ይሕሸኒ ነይሩ እዩሞ፥ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ” ኽትብል እያ።


ኣቱም ደቂ ፅዮን፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥ ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥ የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።


“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ።


ንሳቶም ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፥ ንሃገር ናምሩድ ከዓ፥ ኣብ በርታት ከጥፍእወን እዮም። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መፀ፥ ወሰንና ድማ ምስ ረገፀ፥ ንሱ ኸናግፈና እዩ።


ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፥ ናብ ኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ክሰምዐኒ እዩ።


“ንምድሪኹም ዝናም ብጊዜኡ ምእንቲ ኽህብ እሞ ዅሉ ተግባር ኢድኩም ድማ ኽባርኽ፥ እግዚኣብሄር ንሰማይ፥ ነቲ ፅቡቕ መዝገቡ፥ ክኸፍተልኩም እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ዝኾነ ኣይትልቅሑን ኢኹም።


ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፤ ብኸንቱ ጣዖታቶምውን ኣቘጥዑኒ፤ ኣነ ኸዓ ህዝቢ ብዘይኮነ ኸቕንኦም፥ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዖም እየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos