Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 14:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ይሁዳ ትበኪ ኣላ፤ ደገታት ጥራሖም ኮኑ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፀልመቶም፤ ብኽያት ኢየሩሳሌም ልዕል ልዕል በለ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 14:2
30 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ብኽያት ድኻ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝበፅሕ ስለ ዝገበሩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ገዓር ውፁዓት ሰምዐ።


ኣብዑሮም የመና ዝሰብሑ፥ ንቕፅራቶምውን መፍረስን መውፅእን ዘይብሉ፥ ኣብ ኣደባባያቶምውን ኣውያት ዘየለ፥


እግዚኣብሄርውን ኣውያቶም ሰምዐ። እግዚኣብሄር ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ኺዳን ዘከረ።


ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።


ወይኒ ስለ ዘየለ፥ ፈቐዶ ኣደባባዩ ዋዕዋዕ ይብሉ፤ ታሕጓስ ካብ ገፅ ምድሪ ጠፍአ።


ምድሪ በኸየት፥ ረገፈትውን፤ ዓለም ደኸመት፥ ረገፈትውን፤ ዓበይቲ ህዝቢ ምድሪ እውን ደኸሙ።


ተኽሊ ወይኒ በኸየት፤ ጕንዲ ወይኒ ኸዓ ደኸመት፤ እቶም ሕጉሳት ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ ሕዚ ይትክዙ ኣለዉ።


በሪታታ ኽሓዝናን ክበኽያን፤ ንሳውን በይና ኣብ ምድሪ ኽትቕመጥ እያ።


እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።


ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፤ ናባይ ከእውዩ እዮም፤ ኣነ ግና ኣይሰምዖምን እየ።


ኣባደምዋ፤ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን ኣላ፤ ብዛዕባኣ ብልቡ ዝግደስ ሓደ እኳ ስለ ዘየለ ኸዓ፥ እታ ሃገር ብምልእታ ምድረ በዳ ኾነት።


ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”


ክሕዙኒ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፥ ነእጋረይ ከዓ መፈንጠር ኣፃዊዶምለይ እዮም እሞ፥ ብድንገት ዝዘምትዎም ጭፍራ ምስ ኣምፃእኻሎም፥ ኣብ ገዛኦም ኣውያት ይሰማዕ።


ምድሪ ኽትበኪ፥ ሰማይውን ኣብ ላዕሊ ኽፅልምት እዩ፤ ኣነ ኢለ ኣለኹ፤ ወዲአዮውን እየ፤ ኣየናሕስየሉን፤ ካብኡ ኣይምለስን ድማ እየ።


ኣህዛብ፥ ነውርኺ ሰምዑ፤ ኣውያትኪ እውን ንምድሪ መልኦ። ሓያል ብሓያል ተሰናኺሉ፤ ክልቲኦም ድማ ሓቢሮም ይወድቁ።


ጓል ህዝበይ ስለ ዝተሰበረት፥ ተሰበርኩ፤ ፀለምኩ፤ ሰካሕኹውን።


ሔት። እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ጓል ፅዮን ዘሎ ቕፅሪ፥ ክፈርስ ከም ዘለዎ ወሰነ፤ መለክዒ ገመድ ዘርግሐ፤ ካብ ምጥፋእውን ኣእዳዉ ኣይመለሰን፤ ዕርድታትን ቅፅርን ከዓ ኽበኽዩ ገበረ፤ ሓቢሮም ድማ ደኸሙ።


ጤት። በሪታታ ኣብ ምድሪ ሰጠሙ፤ ንመሀርሀሪታታ ኣጥፍአ፤ ሰባበረ፤ ንጉሳን መሳፍንታን ሕጊ ኣብ ዘይብሎም ተማሪኾም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣለዉ፤ ደጊም ትምህርቲ ሕጊ ኣይህሉን፤ ነቢያታውን ካብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ራእይ ኣይረኽቡን።


ካብቲ ረስኒ ጥሜት ዝተልዓለ ቈርበትና ኸም እቶን ፀለመ።


ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”


እቲ እኽሊ ጠፊኡ፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ እውን ነቒፁ፥ ዘይትውን ጐዲሉ እዩ እሞ፥ እቲ ገራሁ ባዲሙ፥ ምድሪ እውን ትበኪ ኣላ።


እቶት ገራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፥ እቶም ሓረስቶት፥ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሓፈሩ፤ እቶም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ዋይ ዋይ በሉ።


ፆም ኣውጁ፤ ጉባኤ ፀውዑ፤ ንሽማግለታትን ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅላቶምን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ።


ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝብታት ይጭነቑ፤ ኵሉ ገፅ ሰብውን ይፅልም።


ኣነውን ኣብ ልዕሊ ንዅሉ ምድርን ኣብ ልዕሊ እምባታትን፥ ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን፥ ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩምን ድርቂ ፀዋዕኹ።”


ኣነ ፀዊዐዮም ከም ዘይሰምዑ፥ ኣነውን ከምኡ እንትፅውዑኒ ኣይሰምዖምን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፤ ኣውያት እታ ኸተማ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ ደየበ።


“ስቓይ ህዝበይ ሪአ፤ ገዓሮም ከዓ ናባይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፤ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ክኸውን ቅብኣዮ፤ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም እዩ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos