Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 14:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 እዝ ቓል እዙይ ንገሮም፦ “እታ ድንግል ጓል ህዝበይ፥ ብዓብዪ መስበርቲ፥ ብብርቱዕ ቍስሊ ተወቒዓ ኣላሞ፥ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን እንተየቋረፃ፥ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 14:17
20 Referencias Cruzadas  

እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ እዙይ እዩ፦ እታ ድንግል ጓል ፅዮን ነዓቐትካን ኣባጨወትልካን፥ እታ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ ኣባኻ ርእሳ ነቕነቐትልካ።


ሕግኻ ኣይሓለኹንሞ፥ ንብዓተይ ከም ወሓዚ ማይ ይፈስስ ኣሎ።


መቕሰፍትኻ ኻባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ሓይሊ ኢድካ ዝተልዓለ ተወዲአ ኣለኹሞ።


ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ንዒቓትካን ኣባጪያትልካን ኣላ፤ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ፥ ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ።


“ስለ ስብራተይ ወይለይ፤ ቍስለይ ዝኸፍአ እዩ፤ ኣነ ግና እዙይ ናይ መከራ ቝስለይ እዩ እሞ፥ ክፅመሞ እየ በልኩ።


ነዙይ እንተ ዘይሰሚዕኹም ግና፥ ብሰንኪ ትዕቢትኩም፥ ነፍሰይ ብስውር ትበኪ ኣላ፤ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩሞ፥ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፤ ንብዓት ከዓ ዘራዕራዕ የብላ ኣለዋ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘስምዐ እንተ ሃልዩ፥ እስኪ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ጠይቑ። እታ ድንግል እስራኤል፥ የመና ኽፉእ ነገር ገይራ እያ።


ሓዘነይ ዘይፀናናዕ እዩ፤ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ።


ጓል ህዝበይ ስለ ዝተሰበረት፥ ተሰበርኩ፤ ፀለምኩ፤ ሰካሕኹውን።


ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!


“ኣዒንትና ንብዓት ክቛፅር፥ ቅርንብ ዓይንናውን ማይ ከውሕጅ፥ ቀልጢፈን የልቅሳልና” በሉ።


ካፍ። ስለ ጕድኣት ጓል ህዝበይ፥ ህፃናትን ዕሸላትን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ስለ ዝተሓለሉ፥ ኣዒንተይ ብንብዓት ደኸማ፤ ኣምዑተይ ተሃወኸ፤ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ።


ሜም። ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባኺ እንታይ ክምስክር እየ? ብመንከ ኽምስለኪ እየ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ኣነ ኸፀናንዐኪ ብምንታይ ከመዓራርየኪ እኽእል? ስብራትኪ ኸም ባሕሪ ዓሚቝ እዩ፤ መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል?


ዳዴ። ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ፤ ኣቲ ቕፅሪ ጓል ፅዮን መዓልትን ለይትን፥ ንብዓትኪ ኸም ወሓዚ ሩባ ይፍሰስ፤ ንባዕልኺ ዕረፍቲ ኣይትሃቢ፤ ንመርዓት ዓይንኺውን ኣይተዕርፊ።


እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ እያ፤ ደጊምውን ኣይትትስእን እያ፤ ኣብ ገዛ ምድራ ተደርቢያ ኣላ፤ ዘተስኣ ድማ የለን።


ስለዙይ ኣነ ኸዓ ብሕማም ቍስሊ ወቓዕኹኻ፤ ካብ ሓጢኣትካ ዝተልዓለ ድማ ኣፈራረስኩኻ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos