15 ብዛዕባ እዞም ኣነ እግዚኣብሄር እንተይለኣኽክዎም ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ውግእን ጥሜትን ኣይህሉን እዩ’ ኢሎም ብስመይ ዝንበዩ ነቢያት፥ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ብውግእን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም።
ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”
ስለዙይ እንሆ ነቶም ካብ ነንሕድሕዶም ቃለይ ንዝሰረቑ ነቢያት እሕነየሎም ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣነ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ኣብ ሃረግ፥ ወይኒ ኣይርከብን፤ ኣብ ኦም በለስውን በለስ ኣይርከብን፤ ቈፅሊ እኳ ይረግፍ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኽህቦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
ቆፍ። “ንፈተውተይ ፀዋዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣታለሉኒ፤ ካህናተይን ዓበይተይን፥ ሰብነቶም ንኸበርትዑ፥ ምግቢ ኽልምኑ እንተለዉ ኣብ ከተማታት ሃለቑ።”
ሬስ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ተመልከት፤ ኣብ ልዕሊ መን ከምዙይ ከም ዝገበርካ ተመልከት፤ ብሓቂዶ እኖታት ነቶም ፍረ ማህፀነን ዝኾኑ፥ ዘሐንቀቓኦም ህፃናት ይበልዓ እየን? ካህንን ነቢይንከ ኣብ መቕደስካዶ ይሕረዱ እዮም?
ነቲ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን፥ ናብ ምድሪ ኽድርብዮን እየ፤ መሰረቱውን ጋሕ ክብል እዩ፤ ንሱ ኽወድቕ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
“ነቲ መንደቕን፥ ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝለቕለቕዎን፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም እየ። ኣነ ድማ፥ እቲ መንደቕ የለን፤ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ።
ኢደይ ከዓ ነቶም ከንቱነት ዝሪኡን ሓሰት ዝንበዩን ነቢያት ክትፃረሮም እያ፤ ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይህልዉን፤ ኣብ መፅሓፍ ቤት እስራኤል ድማ ኣይፀሐፉን፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ከዓ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
“ቤት እስራኤል፥ ህዝበይ ክኾኑ፥ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እምበር፥ ድሕሪ ሕዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፥ ሕጊ ብምፍራሶም ከዓ ኸይረኽሱስ፥ እቲ ነቢይ እኳ ተጋግዩ ቓል እንተ ተዛረበ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዘታለልኩዎ፤ ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ፤ በደሎም ድማ ኽፆሩ እዮም፤ በደል እቲ ነቢይ ማዕረ፥ በደል እቲ ጠያቒኡ ክኸውን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኽመፅእ እንተሎ እንተ ረአየ፥ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ዘየጠንቀቖም፥ ሰይፊ መፂኡውን ንሓደ ኻብኣቶም እንተ ወሰዶ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ይውሰድ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።”
እግዚኣብሄር ንህዝበይ ብዛዕባ ዘስሕቱ ነቢያት በስናኖም እናተናኸሱ ሰላም ዝእውጁ፥ ነቲ ናብ ኣፎም ዝኾነ ዘይህቦም ድማ፥ ውግእ ዝእውጁ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦
ግና ኣነ ዘይኣዘዝክዎ ብድፍረቱ ብስመይ ዝዛረብ ነቢይ፥ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ ነቢይ፥ ይቀተል’ በለኒ።
እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።