13 ሽዑ ኣነ “ኣየ! ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ እቶም ነቢያት እኮ እዮም ‘እግዚኣብሄር ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህብ እየ ስለ ዝበለ፥ ውግእ ኣይትሪኡን፤ ጥሜትውን ኣይመፀኩምን እዩ’ ዝብልዎም ዘለዉ” በልኩ።
ሓለውቲ እስራኤል ዕውራት እዮም፤ ፍልጠት የብሎምን፤ ኵሎም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፤ ሕልሚ ይሓልሙ፤ ይጋደሙ ድቃስውን ይፈትዉ እዮም።
ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ።
ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”
ንሳቶም ነቶም ንኣይ ዝንዕቑ፥ እግዚኣብሄር ‘ሰላም ክኾነልኩም እዩ’ ኢሉ፥ ይብልዎም፤ ነቶም ብትረት ልቦም ዝመላለሱ ዅላቶም ድማ ‘ክፉእ ነገር ኣይነኽአኩምን እዩ’ ይብልዎም።”
እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን፥ ናባኻትኩምን ናብዛ ሃገር እዚኣን ኣይመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ?
ሽዑ ኣነ “ኣየ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በፂሑ እንተሎስ፥ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ብርግፅ ጠበርካዮ” በልኩ።
ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ኢሎም ሓሰት ተናገሩ፦ “እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ዝገበሮ የለን፤ ክፉእ ኣይወርደናን እዩ፤ ውግእን ጥሜትን ኣይንርእን ኢና።
እቶም ነቢያት ከም ንፋስ ክኾኑ እዮም፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልዎ ቓልውን የብሎምን። እቲ ዝብልዎ ናብ ርእሶም ይውረድ” በሉ።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።
ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ሰላም እናበሉ፥ ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።
ስለዙይ “ኣብ ማእኸል ቤት እስራኤል ድሕሪዙይ ከንቱ ራእይን ናይ ሓሰት ትንቢትን ኣይኸውንን እዩ።
“ንልቢ እቲ ፃድቕ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደለኹስ፥ ንስኻትክን ብሓሰት ስለ ዘሕዘንክናኦ፥ እቲ ሓጥእ ካብ መንገዲ ሓጢኣት ከይምለስ እሞ ኸይድሕንስ፥ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕኽን፥
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም።