9 “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፤ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት ኢየሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ።
ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።
ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።
ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መሊሱ ናባይ መፀ፦
ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን መላገፅን መራገምን ምእንቲ ክኾኑ፥ ንኢየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን ንኣሕሉቓን፥
ሞኣብ ዕቡይ፥ ምኩሕ፥ ፍኽኑን፥ ኵሩዕ፥ ደፋር፥ ሕቡን ምዃኑ ሰሚዕና ኣለና።
ዕቡያት ነበራ፤ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዘፀይፍ ነገር ገበራ፤ እዙይ ምስ ረአኹ ድማ ኣጥፋእኽወን።
ከምቲ ብኣዋልድ ደቂ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎምን፥ በተን ኣብ ኵሉ ወገን ዘነውራኪ ዝነበራ ኣዋልድ ደቂ ፍልስጥኤማውያንን፥ እተፀረፍክሉ ጊዜ ኽፍኣትኪ ኸይተቐልዐ እንተሎ፥ በቲ መዓልቲ ዅርዓትኪ እታ ሓፍትኺ ሰዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተጠቐሰትን።
ንሓይሊ ትዕቢትኩም ክሰብሮ እየ፤ ንሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ንምድሪኹም እውን ከም ነሃስ ክገብሮ እየ።
ከተርቲ ኸቲሮምዎም እዮምሞ፥ ሃረግ ወይኖምውን ኣጥፊኦም እዮምሞ፥ ከምቲ ኽብሪ እስራኤል፥ ንኽብሪ ያእቆብውን እግዚኣብሄር ክምልሶ እዩ።
በታ እዋን እቲኣ፥ ኣነ ነቶም ዕቡያት ካብ ማእኸልኪ ኸውፅኦም እየሞ፥ ንስኺውን ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣባይ ኣይትዕበዪን ኢኺ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይትሓፍሪን ኢኺ።
ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።”
“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።
ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።