6 ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ከዓ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ እሞ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኬድካ፥ ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ መዕጠቒት ካብኡ ውሰዳ” በለኒ።
ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሓባእኽዋ።
ኣነውን ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ከይደ፥ ካብቲ ዝሓባእኽዋ ዅዒተ ነታ መዕጠቒት ኣምፃእኽዋ። እንሆውን እታ መዕጠቒት ተበላሽያ፥ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኾይና ፀንሐት።
ሽዑ ጠመትኩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለውዎ ጠፈር፥ ከም እምኒ ሰንፔር ኮይኑ፥ ትርኢት ዙፋን ዝመስል ኣብ ልዕሊኣቶም ተርኣየ።
መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤ ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥ ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።
እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።