5 ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሓባእኽዋ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ከዓ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ እሞ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኬድካ፥ ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ መዕጠቒት ካብኡ ውሰዳ” በለኒ።
ከምቲ ዝተአዘዝክዎ ኸዓ ተነበኹ፤ ክንበ እንተለኹ ድማ ድምፂ ኾነ፤ እንሆ ኸዓ ምንቕናቕ ኮነ፤ እቶም ኣዕፅምቲውን ዓፅሚ ምስ ዓፅሙ ተቓራረበ።
ከም ተባዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ፥ ምሳይ መከራ ተቐበል።
ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ።