24 ስለዙይ ከምቲ ንፋስ በረኻ ንሓሰር ዝብትኖ፥ ኣነውን ክብትነኩም እየ።
እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም።
ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።
ክተዝርዎም ኢኻ፤ ንፋስ ከዓ ኽወስዶም፥ ንፋስ ኣውሎውን ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ ንስኻውን ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፥ ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ።
ከም ንፋስ ምብራቕ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ኽብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጥፍኣቶም፥ ዝባነይ እምበር ገፀይ ኣየርእዮምን።”
ኣብ ማእኸል እቶም ንሳቶም ኮኑ ኣቦታቶም ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ሰይፊ ደድሕሪኣቶም ክሰደሎም እየ።”
ሳምኬት። “እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣብ ማእኸለይ ዝነበሩ ጀጋኖይ ደርበዮም፤ ነጕባዘይ ክጭፍልቕ፥ ሰራዊት ኣኽተተለይ፤ እግዚኣብሄር ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ፥ ብመፅመቚ ኸም ዝርገፅ ወይኒ ረገፃ።”
እቶም ዝሃድሙ ዅሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኽወድቁ፥ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዝረዉ እዮም” ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝተዛረብኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ።
“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ።
ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።
ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን።
ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።
“እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም።
ፈፂመ ኽድምስሶም፥ መዘከርታኦም ካብ ማእኸል ሰብ ከጥፍእ እየ በልኩ።
እግዚኣብሄር ናብ ማእኸል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ተሰዲድኩም እትኸድዎም ህዝቢ ኸዓ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።