Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 13:23 - መፅሓፍ ቅዱስ

23 ኢትዮጵያዊ ሕብሩ፥ ነብሪ ዝንጕርጕርነቱ፥ ክልውጥዶ ይኽእል እዩ? እምበኣር ንስኻትኩምውን ክፉእ ምግባር ዝለመድኩም፥ ፅቡቕ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 13:23
13 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ግና ኸምቲ ናይ ቀደም ልማዶም ደኣ ገበሩ እምበር፥ ኣይሰምዑን።


ንዓሻ ምስ እኽሊ፥ ኣብ መጕእ እንተ እትፈፅሖ እኳ፥ ዕሽነቱ ኣይሓድጎን።


ቀይናን ክቐንዕ ኣይኽእልን እዩ፤ ዝጐደለውን ክቝፀር ኣይኽእልን እዩ።


ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዓመፅ እናወሰኽኩም ስለ ምንታይ ትቕፅዑ? እንሆ፥ ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ።


“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?


ብሽብጢ እኳ እንተ ተሓፀብኪ፥ ብዙሕ ሳሙናውን እንተ ተጠቐምኪ፥ ኣብ ቅድመይ ብሓጢኣትኪ ረኺስኪ ኣለኺ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።


ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም።


“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”


ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻዶ፥ ሓቂ ኣይኮናን ዝደልያ? ወቓዕኻዮም ግና ኣየሕመሞምን። ደቘስካዮም ግና ኣይተቐፅዑን፤ ገፆም ከም ኰዅሒ ኣትረሩ፤ ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ።


እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፤ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ የለን፤ ንመልሓሶም ሓሰት ምዝራብ የልምድዎ፤ ሓጢኣት ንምግባርውን ይደኽሙ።


እዙይ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፥ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከዓ መሊሱ ንሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos