21 እቶም ፈተውትኺ ክኾኑ፥ ባዕልኺ ዘሰልጠንክዮም፥ ገዛእትኺ ምስ ገበሮም እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው ዝተትሓዘት ሰበይቲዶ ኣይትሳቐዪን?
ኣካዝ ከዓ ናብ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ “ኣነ ባርያኻን ወድኻን እየ፤ ካብ ኢድ እቶም ተልዒሎምኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ክተድሕነኒ ደይብ” በሎ።
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?
ክድንግፁ፥ ቃንዛን ሓዘንን ክሕዞም እዩ፤ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኸቕለልዉ፥ ተገሪሞም ንስንሳቶም ክጠማመቱ እዮም፤ ገፆም ከዓ ኸም ገፅ ሃልሃልታ እዩ።
ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።
እግርኺ ጥራሑ ኻብ ምዃን፥ ጐረሮኺ ድማ ኻብ ምፅማእ ማይ ከልክሊ፤ ንስኺ ግና “ጓኖት ፈትየ ኣለኹ፤ ደድሕሪኣቶም ክስዕብ እየ እሞ፥ እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” በልኪ።
ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!
እስኪ ጠይቑን ተመልከቱን፤ ታባዕታይዶ ኽወልድ ይኽእል? ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ዅሎም እቶም ሰብኡት፥ ከምታ ንምውላድ እትፅዓር ሰበይቲ ኾይኖም፥ ኣእዳዎም ኣብ ሕቘኦም ገይሮም ዝርኢ ዘለኹ? ገፅ ኵሉ ሰብከ ፀሊሙ ዝረአ ዘሎ ስለ ምንታይ እዩ?
እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።
ኣቲ ዝዓኖኺኸ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ? ቀይሕ ክዳን እትኽደኒ፥ ሽልማት ወርቂ እትሽለሚ፥ ኵሕሊውን እትኰሓሊ፥ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይፂ ዘለኺ፤ ፈተውትኺ ንዒቖምኺ፤ ንነፍስኺውን ይደልዩዋ ኣለዉ።
ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
“ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና።
ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደኾን፥ ኣነ ኣምላኽ እየ፥ ክትብል ኢኻ? ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ቐታሊኻ፥ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።
እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።