20 ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም ነዞም ካብ ሰሜን ዝመፁ ዘለዉ ረአዩ። ንኣኺ ተውሂቦምኺ ዝነበሩ መጓሰ፥ እቲ ፅቡቕ መጓሰኺ ኣበይ ኣሎ?
ክብሪ ንጉስ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ እዩ፤ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት ገዛኢ እዩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብ ሰሜን ወገን ኣብዛ ምድሪ ናብ ዝነብሩ ዅሎም፥ ክፉእ ነገር ክወርድ እዩ።
እንሆ፥ ኣነ ንዅሎም ናይ ሰሜን መንግስታት ኣህዛብ ክፅውዖም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ንሳቶም ከዓ መፂኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደገታት ኢየሩሳሌምን ኣብ ዙርያ ቕፅራን ኣብ ዙርያ እተን ካልኦት ከተማታት ይሁዳን ዘዙፋኖም ከንብሩ እዮም።
ድምፂ ወረ ስምዑ፤ እንሆ፥ ንኸተማታት ይሁዳ፥ ዑናን መስፈሪ ወኻሩን ምእንቲ ኽገብርን፥ ድምፅን ብርቱዕ ህምህምታን፥ ካብ ሃገር ሰሜን ይመፅእ ኣሎ።
ነዙይ እንተ ዘይሰሚዕኹም ግና፥ ብሰንኪ ትዕቢትኩም፥ ነፍሰይ ብስውር ትበኪ ኣላ፤ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩሞ፥ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፤ ንብዓት ከዓ ዘራዕራዕ የብላ ኣለዋ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ ዝሕልዉ ጓሶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ንመጓሰይ በተንኩምወን ኣባረርኩምወን፤ ጥንቃቐውን ኣይገበርኩምለንን። እንሆ፥ ንኽፍኣትኩም ግቡእ ቅፅዓት ከምፅአልኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ካብ ናህሪ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ እታ መሕደሪ ሰላም ባደመት።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል።
እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ።