2 ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ መዕጠቒ ዓዲገ ኣብ ሕቘይ ተዓጠቕኩላ።
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤
እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ “ኪድ እሞ ነቲ ወጮ ኻብ ሕቘኻ ፍትሓዮ፤ ኣሳእንካ ድማ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ከደ።
ንኻልኣይ ጊዜ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ነታ ዓዲግካ ዝተዓጠቕካያ መዕጠቒት ሒዝካ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኪድ፤ ኣብ ነቓዕ ኰዅሒ ኸዓ ሕብኣያ” በለኒ።
“ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ፤ ከምታ ዓማፂት ቤት፥ ዓማፂ ኣይትኹን፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ነዝ ዝህበካ ዘለኹ ድማ ብልዓዮ።”
ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ ነበረ፤ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ፥ ፈልቊ ቘርበት፥ ቀለቡ ኸዓ ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።
ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።