16 እግዚኣብሄር ፀልማት እንተይሰደደ፥ ኣብቲ ዝፀልመተ እምባ ኸዓ፥ ኣእጋርኩም እንተይተሰናኸለ፥ ነታ እትፅበይዋ ብርሃን ናብ ፅላሎት ሞትን፥ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትን እንተይለወጣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ።
ፀልማትን ድነ ሞትን ገንዘቦም ይግበርዋ፤ ደመናውን የጐልብባ፤ እቲ ንመዓልቲ ዘፀልምት ድማ የደንግፃ።
ገሊኣቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ዝተጨነቑ፥ ኣብ ውሽጢ ፀልማትን ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ነበሩ፤
ካብ ፀልማትን ካብ ፅላሎት ሞትን ኣውፅኦም፤ መዋቕሖም ከዓ ሰባበረ።
ናይ ስሙ ኽብሪ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ኣብ ስፍራ ቅድስናኡ ንእግዚኣብሄር ስገዱ።
ኣብ ክፉእ ስፍራ ኣዋሪድካና ኢኻሞ፤ ብፅላል ሞትውን ሰዊርካና ኢኻሞ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ፥ ሰብ ዝድህስሶ ግብ ዝበለ ፀልማት ይኹን” በሎ።
መንገዲ ኽፉኣት ግና ፀልማት እያ፤ እንታይ ከም ዘዕንቅፎምውን ኣይፈልጡን።
ሰብ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ ብዅላተን ይተሓጐስ፤ ይኹን እምበር ዘመን ፀልማት ከም ዝበዝሕ ይዘክር። ኵሉ እቲ ዝመፅእ ነገር ከንቱ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሞገድ ባሕሪ እናሃመሙ ኽመፁዎም እዮም። ናብ ምድሪ እንተ ተመልከቱ፥ እንሆ ፀልማትን መከራን ኣሎ፤ ብርሃንውን ኣብ ውሽጢ ደመናታት ይፅልምት።
ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ ኣለና፤ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ እናበልና ንኸይድ ኣለና፤ ቀትሪ እንተሎስ፥ ከም ብጊዜ ፅልግልግ፥ ደርገፍገፍ ንብል ኣለና። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምዉታት፥ ኣብ ፀልማት ስፍራ ኢና።
ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና።
እንሆ፥ ፀልማት ንምድሪ፥ ጣቓ ድማ ንኣህዛብ ከጐልብቦም እዩ፤ ንኣኺ ግና እግዚኣብሄር ክወፅእ፥ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኽረአ እዩ።
ናብ ምድሪ ድማ ኽጥምቱ እዮም፤ ኣብኡውን መከራን ፀልማትን ዘሸብር ፅልግልግታን ኣሎ፤ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትውን ክስደዱ እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ፈፂምካዶ፥ ንይሁዳ ደርቢኻያ ኢኻ? ነፍስኻኸ ንፅዮንዶ ፀሊኣታ እያ? ስለ ምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕኻና? ሰላም ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ።
ንሳቶም “እቲ ኻብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአና፥ ብምድረ በዳ፥ ብምድሪ ፅምዋን ድንጕርን፥ ብምድሪ ኣፃምእን ብፀልማትን፥ በቲ ሓደ እኳ ዘይሓልፎን፥ ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሐና እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ኣይጠየቑን።”
ስለዙይ መንገዶም፥ ኣብ ፀልማት ከም ዘሎ መንደልሃፂ ኽትኮኖም እያ፤ ንሳቶምውን ፍግም ኢሎም ክወድቁዋ እዮም፤ ኣነውን ብዝምልከቶም ዓመት፥ ክፉእ ከምፅአሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንምድሪ ጠመትክዋ፤ እንሆ ኸዓ ባዶ ምድረ በዳ ነበረት። ንሰማያትውን ጠመትክዎም፤ ብርሃን ከዓ ኣይነበሮምን።
“ህዝበይ፥ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኾኑ፤ ጓሶቶም ኣጋገይዎም፤ ንሳቶም ኣብ እምባታት ኰለል ከም ዝብሉ ገበርዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታታት ከርተት በሉ፤ መሕደሪኦምውን ረስዑ።
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዐንቀፊ እምኒ አንብር ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣቦታትን ውሉድን ሓቢሮም ክዕንቀፉ፥ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንሰላም ብተስፋ ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀ ኾነ።
ፌ። ነቲ ኸቶ ዘይመፅእ ሓገዝ ክንጥምት፥ ኣዒንትና ጠፊአን፤ ብምፅባይና ኻብቲ ኸድሕን ዘይኽእል ህዝቢ፥ ሓገዝ ተፀበና።
ልቦም ምእንቲ ኽመክኽ ዕንቅፋቶም ከዓ ኽበዝሕስ፥ ዝቐትል ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደገታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ፤ ወዮ! ኸም በርቂ መስመስ ይብል፤ ክሓርዱሉ ኸዓ ተስሒሉ ኣሎ።
ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ።
ደጊምስ ፀርፊ ኣህዛብ ኣየስምዐክን እየ። ላግፂ ህዝብታት ኣይትፆርን፤ ድሕሪዙይውን ንህዝብኺ ኣይተዐንቅፍዮምን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤ ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥ ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።
ንእምባታት ዝሰርሐ፥ ንንፋሳት ከዓ ዝፈጠረ፥ ሓሳቡውን ንሰብ ዝነግር፥ ንወጋሕታ ፀልማት ዝገብር፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪ እውን ዝረግፅ፥ ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትፅበዩ ወይለኹም። ንመዓልቲ እግዚኣብሄር ንምንታይ ትደልዩዋ? ንሳስ መዓልቲ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን እያ።
ንስመይ ክብሪ ኽትህቡ እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ብልብኹምውን እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ መርገም ክሰደልኩም፥ ንበረኸትኩምውን ክረግማ እየ። ሕዚ እውን ብልብኹም ኣይገበርኩምዎን እሞ፥ ኣነውን ረጊመያ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቑሩብ መዓልቲ፥ ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ፀልማት እንተየርከበኩም፥ ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብፀልማት ዝመላለስ፥ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ።
ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ።
ከምኡውን፦ “መዐንቀፊ እምንን፥ ኣንደልሂፁ ዘውድቕ ኰዅሕን እዩ።” ነቲ ቓል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፤ ነዙይ ከዓ ምዱባት ነበሩ።
እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን።