Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 13:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ሽዑ ንስኻ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ምለሰሎም፦ “እንሆ፥ ንዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ፥ ብስኽራን ክመልኦም እየ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 13:13
14 Referencias Cruzadas  

ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርአኻዮም፤ ዘደንግፅ ወይኒ እውን ኣስተኻና።


ፅዋዕ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ዘይተሓዋወሰ ወይኒ መልአሉ፤ ካብዙይ ናብቱይውን ሓዋወሶ፤ ግና ሓተላኡ ኣይፈሰሰን፤ ኵሎም ሓጥኣን ምድሪ ድማ ኽሰትይዎ እዮም።


ተደነቑን ተገረሙን፤ ተዓመቱን ዕዉራትውን ኩኑ፤ ስኹራት እዮም ግና ብወይኒ ኣይኮነን።


እቶም ዘጨንቑኺ፥ ናይ ባዕልቶም ስጋ ኸም ዝበልዑ ኽገብሮም እየ፤ ወይኒ ሰቲኻ ኸም ዝስከር፥ ናይ ባዕልቶም ደም ሰትዮም ክሰኽሩ ኽገብሮም እየ። ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”


ነቲ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ዝሃበኪ፥ ፅዋዕ መቕፃዕቲ ዝሰተኺ፥ ነቲ ዘስክር ሰንከልከል ዘብል ፅዋዕ፥ ዝሰተኽዮን ዝጨለጥክዮን፥ ኣቲ ኢየሩሳሌም ንቕሒ! ንቕሒ! ተስኢ።


ስለዙይ ኣቲ ውፅዕቲ፥ ብወይኒ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ኣቲ ዝሰኸርኪ ነዙይ ስምዒ።


ብቝጥዓይ ንኣህዛብ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ፈፂመ ኣስከርክዎም፤ ደሞም ከዓ ኣብ ምድሪ ኣፍሰስኩ።”


እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል “ኵሉ ኣሕርብቲ፥ ወይኒ ኽምላእ እዩ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ንሳቶም ድማ “ኣሕርብቲ ወይኒ ኸም ዝምላእዶ ኣይንፈልጥን ኢና?” ኽብሉኻ እዮም።


ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ።


እንሆ፥ በታ ብስመይ እተፀውዐት ከተማ ምቕፃዕ እጅምር ኣለኹ፤ እሞኸ ብዘይ ቅፅዓትዶ ተምልጡ ኢኹም? ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰይፊ ኽሰደሎም እየ እሞ፥ እንተይተቐፃዕኹም ኣይትተርፉን ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ኣነ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፥ ንኣሕሉቓን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን፥ ከስክሮም እየ፤ ንዘለኣለምውን ደቂሶም ከም ዘይነቕሑ፥ ክገብር እየ፤ ይብል እቲ ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተብሃለ ንጉስ።


ባቢሎን፥ ንዅላ ምድሪ እተስክር ኣብ ኢደይ ከም ዘላ ፅዋዕ ወርቂ ነበረት። ህዝብታታ ከዓ ኻብ ወይና ሰትዮም ዓበዱ።


ክንዲ ኽብሪ፥ ሕፍረት መሊኡካ ኣሎ፤ ንስኻውን ሰቲኻ ሰንደልደል በል፤ እቲ ፅዋዕ የማን እግዚኣብሄር ክምለሰካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻውን ሕፍረት ክኸውን እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos