11 ኣነስ ኵሎም ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ንኣይ ህዝብን ስምን ምስጋናን ክብርን ክኾኑኒ ኢለ፥ ከምታ መዕጠቒት ኣብ ሕቘ ሰብኣይ እትጠብቕ፥ ከምኡ ናባይ ኣጥበቕክዎም፤ ግና ኣይተኣዘዙንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር፥ ንያእቆብ ንባዕሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ንርስቱ ሓርይዎ እዩ እሞ።
ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዙይ ከቶ ኣይገበረሎምን፤ ፍርዱውን ኣይገለፀሎምን። ሃሌ ሉያ።
“ህዝበይ ግና ቓለይ ኣይሰምዑንን፤ እስራኤልውን ኣየዳመፁንን።
እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።
እግዚኣብሄር ድማ “ኪድ እሞ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐት መዕጠቒ ገዚእኻ ሕቘኻ ተዓጠቐላ፤ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ።
እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል “ኵሉ ኣሕርብቲ፥ ወይኒ ኽምላእ እዩ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ንሳቶም ድማ “ኣሕርብቲ ወይኒ ኸም ዝምላእዶ ኣይንፈልጥን ኢና?” ኽብሉኻ እዮም።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”
ንስኻ ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ዘደንቕ ነገራትን ገበርካ፤ ከምኡውን ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ህዝብን ክሳዕ ሎሚ እናገበርካ፥ እንሆ ኸዓ በዙይ ስምካ ኣፀዋዕኻ።
እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።”
ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።
ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበርኩም ኣንጊሀ ተሲአ ተዛረብኩኹም፤ ኣይሰማዕኹምን፤ ፀዊዐኩምውን ኣይመለስኩምን።
እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም።
“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።
ግና ኽሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖምውን ናባይ ፅን ኣይበላን፤ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዝገድድ ድማ ገበሩ።
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎ ወገን ዝተናገርክዎ እዝ ቃል ስምዑ፤ ከምዙይውን በለ፦
‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም።
እግዚኣብሄር ከዓ ሎሚ ንስኻትኩም ከምቲ ዝበለኩም፥ ህዝቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ከምቲ ንሱ ዘተስፈወኩም ከዓ ብፍላይ ገንዘቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ኸም እትሕልዉ ኣፍለጥኩም።
ንሱ ኸዓ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዕል ከም ዘብለኩም፥ ንስኻትኩም ከዓ ንስሙ ኽብርን ምስጋናን ከም እተቕርቡ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም ድማ ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ኸም እትኾኑ ኣፍለጠኩም።”
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዅልሻዕ እንትንፅውዖ ዝቐርበና፥ ከምኡ ኣምላኹ ዝቐርቦ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ?
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።