1 እግዚኣብሄር ድማ “ኪድ እሞ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐት መዕጠቒ ገዚእኻ ሕቘኻ ተዓጠቐላ፤ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ።
እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ኢትዮጵያን ምልክትን ተኣምራትን ክኸውን፥ ሰለስተ ዓመት ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ዝኸደ፥
ኣነስ ኵሎም ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ንኣይ ህዝብን ስምን ምስጋናን ክብርን ክኾኑኒ ኢለ፥ ከምታ መዕጠቒት ኣብ ሕቘ ሰብኣይ እትጠብቕ፥ ከምኡ ናባይ ኣጥበቕክዎም፤ ግና ኣይተኣዘዙንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ።
“ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።
“ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ ናይ ኣይሁድ ሰባት እናረአዩኻ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ መእተዊ ቤት ፈርዖን ብኢድካ ሕብኣየን።
ናባና መፂኡ ኸዓ፥ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ኣሰረ እሞ፥ “ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ፥ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዙይ ገይሮም ኣሲሮም፥ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ይብል መንፈስ ቅዱስ” በለ።
እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤