9 ርስተይዶ ከም ዝንጕርጕር ኣሞራታት ኮይናትኒ፥ ኣሞራታትከ ኣብ ዙርያኣን፥ ኣብ ልዕሊኣንዶ ኾይኖም እዮም? ኪዱ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኣክቡዎም፤ ክበልዑውን ኣምፅእዎም።
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ብኣፍ ባሮቱ ነቢያት ዝተዛረቦ፥ ንይሁዳ ምእንቲ ኸጥፍእዋ ጭፍራታት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን ናብኣ ሰደደ።
ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።
“ኣቱም ናይ ምድሪ ኣራዊት ኵልኻትኩም፥ ኣቱም ናይ ዱር ኣራዊት ኵልኻትኩም ክትበልዑ ቕረቡ፤
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።
ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፤ ድምፆምውን ኣስምዑ፤ ንምድሩ ኸዓ ኣዕነዉ፤ ከተማታቱውን ተቓፀላ፤ ዝነብረለንውን የለን።
ኣብ ኢድ ፀላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ክኸውን እዩ።
ሬሳታት እዝ ህዝቢ እዙይ ብልዒ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት በረኻን ክኸውን እዩ። ዘባርሮምውን ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።
ፌ። ፅዮን ኣእዳዋ ዘርግሐት፤ ዘፀናንዓ ግና የለን፤ “እግዚኣብሄር ንያእቆብ ብዅሉ ወገን ዝኸቡዎ ፀላእቲ ኣዘዘሉ፤ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።”
ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፤ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኸዓ መብልዕ ኮና፤ ፋሕውን በላ።
እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም።