Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 12:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ኻብ ኣድከሙኻ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ፥ ክትቀዳደም ኢኻ? ኣብ ሰላም ሃገር ካብ ተኣመንካ፥ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣ፥ እንታይ ክትገብር ኢኻ?

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 12:5
14 Referencias Cruzadas  

እቶም በታ መጀመርታ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወሰና ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ እንተላ ዝተሳገሩ፥ ነቶም ኣብ ለሰታት ዝነብሩ ዅሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጕዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።


ብድምፂ መንጫዕጫዕታኻ ቓላይ ንቓላይ ትፅውዓ፤ ኵሉ መሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓለፈ።


ብጊዜ መከራ እንተ ላሕሊሕኻ፥ ሓይልኻ ኽደክም እዩ።


ወደይ፥ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዝቐፅዖ፥ ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ እዩ ዝቐፅዖሞ፥ እንተ ቐፅዐካ ኣይትመረር፤ ተግሳፅ እግዚኣብሄር ድማ ኣይትንዓቕ።


ህይወትካ ንምጥፋእ ንዝደልዩን፥ ብስም እግዚኣብሄርውን ትንቢት ኣይትናገር፥ እንተ ዘይኮይኑ ብኢድና ኽትሞት ኢኻ ንዝብሉኻ ሰብ ኣናቶት፥


ኤርሚያስ፥ እቲ ዅሉ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ህዝቢ ኽነግሮም ኢሉ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ እቶም ካህናትን ነቢያትን ኵሉ እቲ ህዝብን ሓዝዎ እሞ፥ “ክትመውት ኢኻ!”


እኳ ድኣ እቲ ንጉስ ንኤርሚያስን ንፀሓፊኡን ሒዞም ክእሰሩ፥ ንይረሕሚኤል ወዱን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሰሌምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፤ ግና እግዚኣብሄር ሰወሮም።


እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?


“እንሆ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ናብቲ ፅኑዕ እምባ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኻብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ? ቘፀራ ዝገብረለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል ጓሳኸ መን እዩ?


እቲ ወርሓት፥ እዋን ዓፂድ ብምዃኑ፥ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ። ግና እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋሮም ድማ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፥


ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos