Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 12:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 12:4
22 Referencias Cruzadas  

ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ጨው ገበራ።


እዝ ዅሉ ጌርካ ኣነ ስቕ በልኩኻ፤ ኣነ ከማኻ ከም ዝኾንኩ ጠርጠርካ? ኣነ ክግስፀካ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክቐውም እየ።


ምድሪ በኸየት፥ ረገፈትውን፤ ዓለም ደኸመት፥ ረገፈትውን፤ ዓበይቲ ህዝቢ ምድሪ እውን ደኸሙ።


ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም።


ኣባደምዋ፤ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን ኣላ፤ ብዛዕባኣ ብልቡ ዝግደስ ሓደ እኳ ስለ ዘየለ ኸዓ፥ እታ ሃገር ብምልእታ ምድረ በዳ ኾነት።


ይሁዳ ትበኪ ኣላ፤ ደገታት ጥራሖም ኮኑ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፀልመቶም፤ ብኽያት ኢየሩሳሌም ልዕል ልዕል በለ።


እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤ ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤ ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤ ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።


ጠመትኩ፤ እንሆ ሰብ ኣይነበረን፤ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ በሪረን ነበራ።


ምድሪ ኽትበኪ፥ ሰማይውን ኣብ ላዕሊ ኽፅልምት እዩ፤ ኣነ ኢለ ኣለኹ፤ ወዲአዮውን እየ፤ ኣየናሕስየሉን፤ ካብኡ ኣይምለስን ድማ እየ።


እቶም ነቢያት ከም ንፋስ ክኾኑ እዮም፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልዎ ቓልውን የብሎምን። እቲ ዝብልዎ ናብ ርእሶም ይውረድ” በሉ።


ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”


ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”


“ንእምባታት ብኽያት፥ ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥ ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤ ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥ ክቝዝመሎም እየ፤ ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”


በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን እዩ? ነፍሰይከ ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝበለ ህዝቢ፥ ክትብቀልዶ ኣይግባእን? ይብል እግዚኣብሄር።”


ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”


እንስሳታት ዓዕ ይብሉ፤ እተን መጓሰ ኸፍቲ፥ ዝጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ተጨነቓ፤ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ጠፍኣ።


ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ኮይኑ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ የስምዕ፤ ካብ ኢየሩሳሌምውን ቃሉ ይህብ፤ እቶም መዋፈሪ ጓሶት ይበኽዩ፤ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።”


ኦም በለስ እንተ ዘየፍረየት፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ፍረ እንተ ዘይተረኽበ፥ ፍረ ኣውሊዕ እንተ ጐደለ፥ ገራሁታት ዝብላዕ እንተ ዘይሃቡ፥ ኣባጊዕ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፥ ከፍትውን ኣብ ደምቤታት እንተ ተስኣና፥


ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቘጣዕኻየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን?” በሎ።


ኵሉ እቲ ፍጥረት፥ ምሳና ኾይኑ ቅልውላው ሒዝዎ፥ ክሳዕ ሕዚ ይግዕር ከም ዘሎ፥ ንፈልጥ ኢና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos