13 ስርናይ ዘርኡ፤ እሾዅ ድማ ዓፀዱ፤ ብዙሕ ፀዓሩ፤ ጥቕሚ ግና ኣይረኸቡን፤ ካብ ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ ብኣዝመራኹም ክትሓፍሩ ኢኹም።”
ንህዝቡ ኣብ ውሽጢ ዂናት ዓፀዎም፤ ንርስቱውን ሸለል በሎም።
ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”
ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ብርቱዕ ቍጥዓኡን፥ እታ ፈራይት ምድሪ፥ ምድረ በዳ ኾነት፥ እተን ከተማታት ድማ ፈሪሰን ረአኽወን።
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፤ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ የለን፤ ንመልሓሶም ሓሰት ምዝራብ የልምድዎ፤ ሓጢኣት ንምግባርውን ይደኽሙ።
ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ።
ኣነ ድማ ኸምዙይ ክገብረኩም እየ፦ ሽብርን ዘመንምንን ነዒንቲ ዘሕምቕን ንሰብነት ዘድክም ረስንን ክሰደልኩም እየ። ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ፤ ፀላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ።
ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
ክትዘርእ ኢኻ፤ ግና ኣይትዓፅድን፤ ፍረ ኣውሊዕ ክትፀምቝ፥ ግና ዘይቱ ኣይትቕባእን ኢኻ፤ ዀልዒ ወይኒ ኽትፀምቝ ኢኻ፤ ግና ወይኒ ኣይትሰትን።
እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን?
ብዙሕ ዘራእኹም፥ ግና ውሑድ ኣእተኹም። በላዕኹም፥ ግና ኣይፀገብኩምን፤ ሰተኹም፥ ግና ኣይረወኹምን፤ ተኸደንኩም፥ ግና ኣይሞቘኩምን፤ ደሞወዝ ተቐበልኩም ግና ኣብ ቀዳድ ከረጢት ከም ምቕማጥ እዩ።
“ንስኻትኩም ብዙሕ ተፀበኹም፤ እንሆ ኸዓ ውሑድ ኣእተኹም። ናብ ቤት ምስ ኣእተኹምዎ ኸዓ፥ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። እዙይ ስለ ምንታይ እዩ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ገገዛኹም እናጐየኹም፥ ቤተይ ዑና ኾይኑ ስለ ዝተረፈ እዩ።
ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።
“ኣብ ግራትኩም ብዙሕ ዘርኢ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ግና ኣንበጣ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ውሑድ ክትእክቡ ኢኹም።