Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 12:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘለዉ፥ ዑና ዀረብታታት ዘረፍቲ ተዋፈሩ፤ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ወሰን፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይበልዕ ኣሎሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 12:12
31 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ድማ ብዙሕ ሕሩድ ክገብር እዩ እሞ፥ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተኣሊኻ ኣላ፤ ብስብሕን ብደም ጡበታትን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ማጓሉን ከዓ ተሸፊና ኣላ።


ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።


‘ናበይ ክንከይድ ኢና?’ እንተ በሉኻ፥ ‘ንሞት ዝተመደበ ናብ ሞት፥ ንሰይፊ ዝተመደበ ናብ ሰይፊ፥ ንጥሜት ዝተመደበ ናብ ጥሜት፥ ንምርኮ ዝተመደበ ናብ ምርኮ’ ክኸይድ እዩ ኢልካ ንገሮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ሰላመይን ፍቕረይን ምሕረተይን ካብዝ ህዝቢ እዙይ ኣርሒቐ ኣለኹ እሞ፥ ብኽያት ናብ ዘለዋ ቤት ኣይትእቶ፤ ክትበክን ክትሓዝንን ድማ ኣይትኺድ።


ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፤ እዞም ህዝብታት እዚኣቶምውን ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ክግዝእዎ እዮም።


ኣዒንትኺ ቋሕ ኣብሊ እሞ፥ ናብ ጫፍ ኰረብታታት ጠምቲ፤ ዘይደቀስክሉ ቦታ ኣበይ ኣሎ? ኸምቲ ዓረባዊ ኣብ ምድረ በዳ ዝቕመጥ፥ ኣብ መንገዲ ተቐሚጥኪ ትፅበይዮም ነበርኪ፤ ብምንዝርናኽን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ።


መንገዶም ስለ ዘበላሾዉን፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑን፥ ድምፂ ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል፥ ኣብ እምባታት ተሰምዐ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፦ “ዘፍርሕ ድምፂ ሰማዕና፤ ናይ ፍርሓት እምበር ናይ ሰላም ኣይኮነን።


ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኵላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፤ ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣን እየ።”


እታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተፃረርቱ ሕነ ምእንቲ ኽፈድዮም፥ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ፤ ሰይፊ ኸዓ ኽሳዕ ዝፀግብ ክበልዕ፥ ብደሞምውን ክሰክር እዩ፤ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ።


“ኣየ፥ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ ኮን ክትዓርፍ ኢኻ? ናብ ሰገባኻ ተመለስ፤ ዕረፍ ህዳእ።


ድሕሪ ሕዚ ትምክሕቲ ኣይህሉን፤ ሰባት ልዕሊ ሓሴቦን ንዑ፥ ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ፥ ኢሎም ተንኰል ይፍሕሱላ ኣለዉ። ኣቲ መድሜን፥ ንስኺ ድማ ኽትጠፍኢ ኢኺ፤ ሰይፊ እውን ክስዕበኪ እዩ።


ንሰላም ብተስፋ ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀ ኾነ።


ንነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሓቕካ፤ ነቲ ሰናይ ረሳዕኽዎ።


ወይ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ሰይፊ ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ ይሕለፍ ኢለ፥ ሰይፊ ናብታ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ እሞ፥


ንስኻ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣሞንን ብዛዕባ ፀርፎምን ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ትንቢት ተናገር፤ በልውን፦ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዝ ሓጢኣት ዝፍፀመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበፅሐ ቕቱላት ሓጥኣን ከንብሩኽስ ከንቱነት ክሪኡልኪ ጥንቈላ ሓሰት ከዓ ኽናገሩልኪ እንተለዉ ሰይፊ፥ ሰይፊ፥ ተመሊሑ ኣሎ፤ ክሓርድን ክጐምድን መስመስ ክብልን ተወልዊሉ ኣሎ።


ንፃድቃንን ሓጥኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ስለዙይ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ፥ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን፥ ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኽምዘዝ እዩ።


ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦


“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በልውን፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰይፊ! ሰይፊ! በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ፤” በል።


መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ።


ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን።


ብኢድ ፀላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱውን፥ ኣብኡ ንሰይፊ ኽእዝዝ እየ፤ ንሱውን ክቐትሎም እዩ፤ ዓይነይ ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ናብኣቶም ክገብር እየ።”


ኣቱም ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፥ ብሰይፈይ ክትቕተሉ ኢኹም።


ካብ ደም ቅቱላትን ምሩኻትን፥ ንፍላፃታተይ ብደም ከስክረን እየ፤ ሰይፈይ ድማ ኻብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ፀላኢ፥ ስጋ ኽቘራርፅ እዩ።


ካልእ ቀይሕ ፈረስ ድማ ወፀ፤ ነቲ ዝተቐመጦውን፥ ሰባት ንስንሳቶም ንኽቃተሉ፥ ካብ ምድሪ ሰላም ከጥፍእ ስልጣን ተውሃቦ። ዓብዪ ሰይፊ እውን ተውሃቦ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos