1 “ኦ እግዚኣብሄር፥ ምሳኻ ብዝማጐተሉ ጊዜ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ምስ ናይ እዙይውን፥ ስለ ፍርዲ ምሳኻ ኽናገር እደሊ ኣለኹ፥ መንገዲ ኸዳዓትስ ንምንታይ ይሳኻዕ?
ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኒሀና፤ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዓመፃና ኣለና፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ዝኽእል የለን።”
ንስኻስ በቲ ዅሉ ኣባና ዝበፅሐ ፃድቕ ኢኻ፤ ንሕና በደልና እምበር፥ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ ቕኑዕ ኢኻ።
ቤት እቶም ከተርቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘቘጥዑውን፥ ብህድኣት ይነብሩ ኣለዉ፤ እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ኢዶም ኣምፂኡሎም እዩ።”
ግና ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክነግር እደሊ ኣለኹ፤ ምስ እግዚኣብሄር ክዋቐስ እደሊ ኣለኹ።
ካብ ከተማን ካብ ብገዛ ቤቶምን ይስጐጉ፤ ነፍሲ እቶም ቈልዑውን ንሓገዝ ተእዊ፤ እግዚኣብሄር ግና ስንፍናኦም ኣይምልከትን።
እግዚኣብሄር ብሰላም ኣንቢርዎም እዩ፤ ብእኡውን ይእመኑ፤ ኣዒንቱ ግና ኣብ ልዕሊ መንገዶም እዩ።
ኣብ ዙርያ እኩብ እምኒ ሰራውሩ ይሰድድ፤ ኣብ መንጎ ኣእማን ከዓ ስፍራ የዳሉ።
እግዚኣብሄር መሓርን ፃድቕን እዩ፤ ኣምላኽናውን ይቕረ በሃላይ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ፍርድኻውን ቅኑዕ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ፍርድኻ ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ በቲ ሓቂኻውን ከም ዘጨነቕካኒ ፈለጥኩ።
እግዚኣብሄር ብዅሉ መንገዱ ፃድቕ እዩ፤ ብዅሉ ስራሑውን ሕያዋይ እዩ።
በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ፤ በቶም ዓመፅትውን ኣይትቕናእ።
ሓጥእ ልዕል ልዕል ኢሉ፥ ከም ዝግባ ሊባኖስውን ለምሊሙ ረአኽዎ፤
ብነገርካ ኽትፀድቕ፥ ብፍርድኻውን ንፁህ ክትከውን፥ ኣነ ንኣኻ ጥራሕ በደልኩ፤ ኣብ ቅድሜኻውን ክፉእ ገበርኩ።
እንሆ፥ ንሓቂ ፈተኻ፤ ዘይረአ ስውር ጥበብ ኣፍለጥካኒ።
ሓጢኣተኛታት ሰባት ከም ሳዕሪ እንትበቝሉ፥ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእውን እንትልምልሙ፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽጠፍኡ እዩ።
ነቶም ዓያሹ፥ ካብ ጥበብ ምርሓቕ ክቐትሎም እዩ፤ ነቶም ደናቝር ከዓ፥ እቲ ሸለልትነቶም ከጥፍኦም እዩ።
ኣብ ምድሪ ዝግበር ከንቱ ነገር ኣሎ፦ ንግብሪ ፃድቃን ዝግባእ ስራሕ ዝበፅሖም ሓጥኣን ኣለዉ፤ ንግብሪ ሓጥኣን ዝግባእ ድማ ዝበፅሖም ፃድቃን ኣለዉ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ በልኩ።
“ክስኹም ኣቕርቡ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ መርትዖኹም ከዓ ኣምፅኡ፤ ይብል እቲ ናይ ያእቆብ ንጉስ።
ኣይሰማዕኻን፤ ኣይፈለጥካን፤ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፈተን፤ እዙይ ከዓ ጠላሚ ምዃንካን፥ ካብ ማህፀን እኖኻ ጀሚሮም “ገበነኛ” ኢሎም፥ ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።
ሽዑ “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ቅኑዕ እትፈርድ፥ ልብን ኰላሊትን ከዓ እትምርምር፥ ነገረይ ኣባኻ ኣማዕቝብ ኣለኹ እሞ፥ ምፍዳይ ሕነኻ ኣብኣቶም ኣርእየኒ” በልኩ።
እንሆ፥ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ፥ ጠሊሞሙኻ እዮም፤ ኣፎም መሊኦም ድማ፥ ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለዉ፤ ስለዙይ ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን ኣይትእመኖም።”
“ግና ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ከምታ ንሰብኣያ እትኸድዕ ሰበይቲ፥ ጠለምኩምኒ” ይብል እግዚኣብሄር።
እዝ ዅሉ ምስ ገበረት ከዓ ናባይ ክትምለስ እያ ኢለ ነይረ፤ ግና ኣይተመለሰትን። እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኸዓ ነዙይ ረአየት።
እታ ውዕሊ መሸጣ ዝሓዘት መፅሓፍ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ምስ ሃብክዎ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ፀለኹ፦
ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ፈፂሞም ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ህዝበይ ኵላቶም ዘመውትን፥ ጉባኤ ጠለምትን ኮይኖም እዮም እሞ፥ ንህዝበይ ክሓድጎም፥ ካብኣቶምውን ንኽፍለስ ኣብ ምድረ በዳ መሕደሪ ኣጋይሽ መን ምሃበኒ!
ፃዴ። “ኣነ ኣብ ልዕሊ ቓል ኣፉ፥ ስለ ዝዓመፅኩ እዩ እምበር፥ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ። ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ስቓየይውን ረአዩ፤ ኣጕባዘይን ጐርዞታተይን ተማሪኾም ከዱ።”
“ንስኻትኩም ግና፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ኣቱም ቤት እስራኤል እስኪ ስምዑ፤ መንገደይ ድዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን?
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዝገብሮ ዅሉ ፃድቕ እዩ እሞ፤ ንሕና ግና ቓልካ ኣይሰማዕናን። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ነዝ መዓት እዙይ ኣምፃእኻልና፤ ኣብ ልዕሌና ኻብ ምምፃእውን ኣይትምለስን።
ኦ ጐይታ፥ ፅድቂ ንኣኻ እዩ፤ ንኣና ግና ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ፥ ብሰንኪ እቲ ንኣኻ ዝበደልዎ በደሎም፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዋ ሃገራት፥ ፋሕ ዘበልካዮም ኵሎም እስራኤላውያን ዝበፅሐና ሕፍረት እዩ። እዙይ ከዓ ንሳቶም ንኣኻ ስለ ዝጠለሙ እዩ።
“ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ።
ስለዙይ ሕጊ ላሕለሐ፤ ፍትሒውን ኣሰኒፉ ኣይወፀን። ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፥ ፍርዲ ቀይኒኑ ይወፅእ ኣሎ።
ኣብ ማእኸላ ዘሎ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ፤ ክፉእውን ኣይገብርን፤ ንግሆ ንግሆ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውፅእ፥ ተሓቢኡውን ኣይተርፍን እዩ፤ እቲ ዓማፂ ግና ኣይሓንኽን።
ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣትኪርኩምዎ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን “ከመይ ኢና ዘትከርናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሉ ኽፉእ ዝገብር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ንሱ ብኣኣቶም ደስ ይብሎ እዩ” ወይ “ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ።
ሕዚ እውን ነቶም ትዕቢተኛታት፥ ቡሩኻት እዮም ንብሎም ኣለና፤ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ፀኒዖም ኣለዉ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈታተንዎ ኸዓ የምልጡ ኣለዉ” ትብሉ ኣለኹም።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።