9 እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በለኒ፦ ኣብ መንጎ ህዝቢ ይሁዳን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ሻራ ተረኺቡ ኣሎ።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ።
ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ።
ከምቲ ንሰብ ከጥቅዑ ዘድብዩ ኸተርቲ፥ እቶም ካህናትውን ኣብ መንገዲ ሴኬም ይቐትሉ፤ ዘሕፍር ዓመፅውን ይፍፅሙ።
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
“ኣነ ንኢየሱስ ኣሕሊፈ ኽህበኩምስ እንታይ ትህቡኒ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰላሳ ቕርሺ ሃብዎ።
ስለዙይ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ክቐትልዎ ተማኸሩ።