Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 11:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 11:4
39 Referencias Cruzadas  

ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።


ንሳቶም ካብ ግብፂ ኻብቲ እቶን ሓፂን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ።


ንሱ ምስ እግዚኣብሄር ተጣበቐ፤ ንእኡ ካብ ምኽታልውን ኣይረሓቐን፤ ነቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛቱ ሓለወ።


ንዝፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዝሕልዉን ግና ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።


ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ዘለዉ እንስሳታት ዝተነግረ ፆር። “በታ ተባዕታይን፥ ኣንስተይትን ኣናብስን መንደላይ ተመንን ዝነፍር ገበልን ዘለዋ፥ ምድሪ መከራን ጭንቅን ኣቢሎም፥ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ፥ ንመዛግብቶም ከዓ ኣብ ምንጕዳ ኣግማል ፅዒኖም፥ ሓንቲ እኳ ናብ ዘይጠቕሞም ህዝቢ ይወስዱሉ ኣለዉ።


ከም ብሩር ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ኣምከኽኩኻ፤ ብመከራ እቶን ፈተንኩኻ።


ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም።


ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።


እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ።


ስለዙይ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”


ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ድማ ኽሕዛ እዩ።


ኤርሚያስ ከዓ “ኣሕሊፎም ኣይህቡኻን እዮም፤ ክቐንዐካ ብህይወትውን ክትነብርስ፥ እዝ ዝብለካ ዘለኹ ቓል እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ።


ኣብታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ፥ ህዝቢ ኸዓ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነውን ኣምላኽ ክኾነኩም እየ።


ድሕሪ ደጊም፥ ብቲ ጣዖታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ሓጢኣቶምን ኣይረኽሱን እዮም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዝገብሩሉን ዝነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንፅሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።


ማሕደረይ ምስኣቶም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑ እዮም።


ድሕሪዙይ ናቡከደነፆር ናብ ኣፍ እቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ “ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፥ ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንዑ ናብዙይ ውፁ” ኢሉ ፀውዖም። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ሓዊ ወፁ።


ኣብ ማእኸልኩም እነብር፤ ኣምላኽኩምውን እኸውን፥ ንስኻትኩም ከዓ ህዝበይ ትኾኑኒ።


ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥


ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”


እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመፁ፥ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኽሰርሑ እዮም፤ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዙይ ክኸውን እዩ።


ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።


መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።


እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም ክትባረኹ ኢኹም።


ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ ዄንኩምዎ ዘለኹም፥ ርስቱ ዝኾነ ህዝቢ ምእንቲ ኽትኮንዎ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓፂን፥ ካብ ግብፂ ኣውፂኡኩም እዩ።


ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።


ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።


ሳሙኤል ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንእግዚኣብሄርስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን፥ ከም ምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ? እንሆ፥ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፥ ቃሉ ምስማዕውን ስብሒ ማጓሉ ኻብ ምቕራብ ይበልፅ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos