3 ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ነቲ ኣብዝ ቓል ኪዳን እዙይ ዘሎ ትእዛዛት ዘይፍፅም ርጉም ይኹን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ሰብ ዝእመን፥ ንስጋ ለባሲውን ቕልፅሙ ዝገብር፥ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ ሰብ፥ ዝተረገመ እዩ።
ሽዑ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን፥ ስለ ዘምለኹን እዩ፥ ኢሎም ክምልሱሎም እዮም።”
ከምቲ ኻብ ሃገር ግብፂ፥ ኣእዳዎም ሒዘ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይታኦም እንተለኹስ፥ ንሳቶም ነቲ ኪዳነይ ኣፍረስዎ፤ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቲ ንስራሕ እግዚኣብሄር፥ ብምሉእ ልቡ ዘይፍፅም ርጉም ይኹን፤ ንሰይፉ ድማ ኻብ ደም ዝኽልክል፥ ዝተረገመ ይኹን።
ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክፍፅሞ ኢሉ ዘየፅንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።