Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 11:19 - መፅሓፍ ቅዱስ

19 ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 11:19
28 Referencias Cruzadas  

መንገዳ ዝፈልጥ ሰብ የለን፤ ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን እያ።


ደቁ ይጥፍኡ፤ ብሓደ ትውልዲ ስሙ ይደምሰስ።


ንዘለኣለምውን ኣይህወኽን፤ መዘከርታ ፃድቕ ንዘለኣለም ይነብር።


ኣነውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክነብር እየ።


ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋንውን ብፅሒተይ ንስኻ ኢኻ በልኩ።


ናይ እግዚኣብሄር ሕያዋይነት ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ፥ እኣምን ኣለኹ።


ናይ ብዙሓት ሰባት ፀርፊ ሰሚዐ እየሞ፥ ኣብ ዙርያይ ፍርሓት ነበረ፤ ኣብ ልዕለይ ብሓደ ምስ ተኣከቡ ንነፍሰይ ክነጥቁ ተማኸሩ።


ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ደስ ድማ በሎም፤ ግፍዐኛታት ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ኣነ ግና ኣይፈለጥኩን፤ ሰላልዑኒ፤ ኣይሓደጉንንውን።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ንሓዋሩ ኸፍርሰካ እዩ፤ ካብ ቤትካውን ክነቕለካ፥ ከፍልሰካውን እዩ፤ ሱርካውን ካብ ምድሪ ህያዋን ክነቕል እዩ።


“ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርስ፥ ንዑ፥ ካብ ኣህዛብ ነጥፍኣዮም” በሉ።


ናይ ፃድቃን መዘከርታ ንበረኸት እዩ፤ ስም ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።


ከም ሓጥእ ንቤት ፃድቕ ኣይተድብየላ፤ ነታ መንበሪኡውን ኣይትሃውካ።


ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝኹብኰብ ብዕራይ፥ ከምቲ ናብ ማእሰር ዝኸይድ ከልቢ፥ ከምቲ ፍላፃ ንኸብዱ ኽሳዕ ዝስንጥቖ፥ ብመፃወድያ ዝተሓዝ ሜዳቝ፥ ከምቲ ይጠፍእ ከም ዘሎ እንተይፈለጠ፥ ናብ መፈንጠር ዝህወኽ ዒፍ ኮይኑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰዓባ።


ኣቕሓ ህሩፍ ክፍእቲ እያ፤ ፅጉም ቅኑዕ ነገር ኣብ ዝናገረሉ፥ ንሱ ብቓል ሓሰት፥ ነቲ ድኻ ንምጥፋእ፥ ክፉእ ሓሳብ ይሓስብ።


ደጊም “ኣብ ምድሪ ህያዋን ኮይነ፥ ንእግዚኣብሄር ኣይሪኦን እየ፤ ምስቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ኾይነ፥ መሊሰ ሰብ ኣይርእን እየ” በልኩ።


ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።


ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።


ኤርሚያስ፥ እቲ ዅሉ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ህዝቢ ኽነግሮም ኢሉ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ እቶም ካህናትን ነቢያትን ኵሉ እቲ ህዝብን ሓዝዎ እሞ፥ “ክትመውት ኢኻ!”


ኵሉ በቐሎምን፥ ኣብ ልዕለይ ዝኣለምዎ ውዲታትን ትፈልጦ ኢኻ።


“ኣብኡ ዔላምን ኵሉ ህዝባን፥ ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኵላቶም ተቐተሉ፤ ብሰይፊ እውን ወደቑ። ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ዝነበሩ ዘይግሩዛት ናብ መዓሙቝ ምድሪ ወረዱ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ተሸከሙ።


ድሕሪ ሸውዓተ ሻዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ክቕተል እዩ፤ ንባዕሉ ግና ኣይኮነን። ሰራዊት እቲ ዝመፅእ ሓለቓ ድማ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ቤተ መቕደስን ክድምስስ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ድማ ኸም ውሕጅ ክመፅእ እዩ። ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ክኸውን፥ ጥፍኣትውን ተወሲኑ እዩ።


ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ኮይኑ ሓላዊ ነበረ፤ ሕዚ ግና ነቲ ነቢይ ኣብ ኵሉ መንገዱ መፈንጠር ኣዕዋፍ ኮነ፤ ኣብ ቤት ኣምላኹውን ፅልኢ ኣሎ።


ካብ ጋድ፥ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos