15 ፈታዊተይ ክፍኣት እናገበረትስ፥ ኣብ ገዛይ እንታይ ኣለዋ? መብፅዓን ዝተቐደሰ ስጋን፥ ቅፅዓትኪ ኸርሕቐልኪዶ ይኽእል? ወይ በዚኣቶም እተምልጢዶ ይመስለኪ?
ንሓጥእ ግና ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎ፥ ስለ ምንታይ ንስኻ ሕገይ ትናገር? ኪዳነይከ ብኣፍካ ንምንታይ ትዛረብ?
እቶም ፈተውትኻ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ብየማንካ ኣድሕን፤ ስምዐኒውን።
ክፉእ ምግባር ንዓሻ ዋዛኡ እዩ፤ ጥበብ ከዓ ንለባም ከምኡ እያ።
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ።
ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፤ ብቐይናን ነገርውን ደስ ይብሎም፤
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣፀያፊ እዩ፤ ምናዳ ብኽፉእ ሓሳብ እንተቕርብዎ ኣፀያፊ እዩ።
እቲ ንብፃዩ ኣታሊሉስ፥ “ክፃወት እየ ዝገበርክዎ” ዝብል ሰብ፥ ከምቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ትንታግን ፍላፃን፥ እናወርወረ ዝፃወት ዕቡድ ሰብን እዩ።
እቲ ንሕጊ ኸይሰምዕ እዝኑ ዝደፍን ሰብ፥ ፀሎቱ ፅዩፍ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
“ቤተይ ሓዲገ ኣለኹ፤ ርስተይውን ሓዲገ ኣለኹ፤ ነታ ዝፈትዋ ንኣኣ፥ ኣብ ኢድ ፀላእታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።
ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ሜዳታትን፥ ፅዩፍ ተግባርክን ምንዝርናኽን ሰሓቕክን ሪአ ኣለኹ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ርኽሰትኪ እትነፅሂ መኣዝ እዩ?
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።
“ኪድሞ ኣብ ኣእዛን ኢየሩሳሌም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ድምፂ ኣስምዕ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጀሎም” በለኒ። “ፍቕሪ ንእስነትክን፥ መርዓት እንተለኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፥ ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን፥ ከም ዝተኸተልክኒ፥ እዝክር ኣለኹ።”
“ነቢይን ካህንን ረኸሱ፤ ኣብ ቤተ መቕደስውን እንተይተረፈ፥ ክፍኣቶም ሪአ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፥ ኣነ ጐይታኹም እየ፤ ከካብ ከተማ ሓደ፥ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ፥ ኣምፂአ ናብ ፅዮን ከእትወኩም እየ እሞ ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ነዛ ኸዳዕ እስራኤል ብሰንኪ ዝሙታ ኸም ዝፈታሕኽዋ ዘመልክት ፅሑፍውን ከም ዝሃብክዋ፥ ሪኣ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኣይፈርሐትን፤ ከይዳውን ከም ዘመንዘረት ረአኹ!
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ ብኻልእ ሰብኣይ ዝተፈትወት ሰበይቲ ፍቶ” በለኒ።
“እንተ ኾነ እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኽርኢ ምስ ኣተወ፥ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሓደ ሰብኣይ ኣብኡ ረአየ እሞ፥
ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ወዲቑ ሰገደሉ፤ “ኦ ኢየሱስ፥ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ኣማሕፅነካ ኣለኹ” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።
ብወገን ወንጌል፥ ምእንታኻትኩም ፀላእቲ እዮም፤ ብወገን ምሕራይ ግና፥ ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም፤
ፍቕሪ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር፥ ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን።
ንንፁሃት፥ ኵሉ ነገር ንፁህ እዩ፤ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፥ ኣእምሮኣቶምን ሕሊናኣቶምን ርኹስ ስለ ዝኾነ፥ ንፁህ ዝኾነ ነገር የለን።
ሕዚ ግና ትዘሃሩን ትምክሑን ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸዓ፥ ክፉእ እዩ።