12 ሽዑ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናብቶም ዝዓጥኑሎም ኣማልኽቲ ኸይዶም ከእውዩ እዮም። ግና ብጊዜ መከራኦም ከቶ ኣየድሕንዎምን።
ንጉስ ኣካዝ ብጊዜ ጭንቁውን ዝገደደ ንእግዚኣብሄር በደለ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።
ኣልዒሎም ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ የንብርዎ፤ ኣብኡ ይቐውም፥ ካብ ስፍራኡውን ንቕንቕ ኣይብልን። ሰብ ናብኡ እንተ ኣእወየ፥ ኣይምልስን ካብ መከራኡውን ኣየድሕኖን።
ህዝበይ ግና ንኣይ ረሲዑኒ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ይዓጥን ኣሎ፤ ካብቲ ክኸደሉ ዝግብኦ መንገዲ ተሰናኺሉ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ መንገዲ ሓዲጉ፥ በቲ ዘይተፀርገ ቐይናን መንገዲ ይኸይድ ኣሎ።
“ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኽጥይቖም እዩ፦ እቶም ኣማልኽትኹም ኣበይ ኣለዉ? እቲ እትእመንዎ መዕቘቢ ኣበይ ኣሎ?
እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩድኩም ዝበልዑ፥ ወይኒ መስዋእቲ መስተኹም ዝሰተዩኸ ኣበይ ኣለዉ? ይተስኡ እሞ ይርድኡኹም፤ መፀግዒውን ይኹኑኹም።
ብጊዜ መከራኹም ከድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ።”